ኣመሪካ፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተኺላቶ ዝጸንሐት ስትራቴጂያዊ ሚሳይላት ከምዘልዓለቶ ተገሊጹ

Radio Erena: 14 September 2021

ኣመሪካ፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተኺላቶ ዝጸንሐት ስትራቴጅያዊ ሚሳይላት ከምዘልዓለቶ ዝተፈላለዩ ወትሃደራውያን ምንጭታት ገሊጾም።

ካብ 2019 ኣትሒዙ፣ ኣብ ወትሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ልዑል ስልጣን፣ ተተኺሉ ዝነበረ ‘ፓትርዮት’ ዝተሰምየ ዘመናዊ ጸረ ሚሳይላት ኣመሪካ፣ ዝተላዕለሉ ምኽንያት ኣይተነጸረን።

ስዑዲ ዓረብ ካብ የመንን ኢራንን ናይ ሚሳይላትን ድሮንን ስግኣታት ኣንጸላልዩዋ እንሃለወ፣ ኣመሪካ ነቲ ተኺላቶ ዝጸንሐት ሚሳይላት ከተልዕሎ ምውሳና፣ ሕቶታት ኣለዓዒሉ ይርከብ።

ስዑዲ ዓረብን ማእከላይ ምብራቕን፣ ካብ ኣመሪካ ውሕስነት የድልየን’ዩ ዝበለ ልኡል ቱርኪ ኣል ፈይሰል፣ ምልዓል እቲ ሚሳይላት ግና ጽቡቕ ምልክታት ናይ ምትእምማን ከምዘይኮነ ጠቒሱ።

ኣመሪካ ብዛዕባ’ዚ ካብ ስዑዲ ዓረብ ስሒባቶ ዝብሃል ዘሎ ሚሳይላት ወግዓዊ መግለጺ ኣይሀበትሉን።

ይኹን’ምበር እቲ ሚሳይላት፣ ኣብ ምብራቕ ኤስያ ኣብ ዝርከብ መደበራት ኣመሪካ ክትከል ከምዝክእል ወትሃደራውያን ተንተንቲ ይእምቱ።

===================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0