ኣብ ግብጺ ንኣስታት 9 ዓመታት ዝተኣስሩ ክልተ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ናይ ኤርትራ ከይስጎጉ ጻዕርታት ይካየድ ኣሎ

Radio Erena: 13 September 2021

መንግስቲ ግብጺ፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቓናጥር ንኣስታት 9 ዓመታት ኣሲርዎም ዝርከቡ ክልተ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ፣ ናብ ኤርትራ ከይመልሶም ካብ ዝተፈላለዩ ተጣበቕቲ ወገናት ምሕንጻታ ይቐርብ ኣሎ።

እቶም ኣለም ተስፋይን ክብሮም ኣድሓኖም ዝተባህሉ ሓተቲ ዑቕባ፣ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም፣ ናይ ኮቪድ መረመራ ከምዝተኻየደሎም ዝሓበረት ማዕከን ዜና ማዳ ማስር፣ ናብ ኤርትራ ዘብጽሖም ግዝያዊ ናይ መጓዓዚ ሰነደ ንኽወሃቦም ብግዴታ ከምዝኸተሙ ኣመልኪታ።

እታ ማዕከን ዜና፣ ንጠበቓ እቶም ኤርትራውያንን ንጉዳዮም ብቐረባ ዝከታተልዎም ዘለዎ ወገናትን ብምውካስ ኣብ ዘቕረበቶ ሓበሬታ፣ ንሳቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ናብ ክፍሊ ኢምግሬሽን እታ ሃገር ክመላለሱ እኳ እንተጸንሑ፣ ናይ ዑቕባ ሕቶ ክፍቀደሎም ንዘቕረብዎ ተደጋጋሚ ምሕጽንታ መልሲ ከምዘይተዋህቦም ሓቢራ።

42 ዓመት ዝዕድሚኡ ኣለም ተስፋይ፣ ብሱዳን ኣቢሉ ናብ ግብጺ ድሕሪ ምእታው፣ ጉዕዞ ስደቱ ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር፣ ዶብ ሊብያ ኣብ ዝሰግረሉ ዝነበረ እዋን፣ ኣብ ከባቢ ሳሉም፣ ብሓለዋ ዶባት ግብጺ ኣብ መጋቢት 2012 ተታሒዙ ተኣሲሩ።

37 ዓመት ዝዕድሚኡ ክብሮም ኣድሓኖም ድማ፣ ኣብ ሓምለ 2013 ብዘይሕጋውያን ኣሰጋግርቲ ደቂ ሰብ ካብ ሱዳን ተጨውዩ ናብ ሲናይ ምስ ተወስደ፣ ድሕሪ ኣርባዕቲ ኣዋርሕ ብዝወረዶ ማህሰይቲ፣ ዝሞተ ስለዝመሰሎም ደርብዮሞ ምስ ከዱ’ዩ ብፖሊስ ተረኾቡ፣ ህይወቱ ድሒኑ ናብ ማእሰርቲ ኣትዩ።

ካብ 2014 ኣትሑዙ ድማ ናብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ማእሰርቲ ክሰጋገር ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ወጻእተኛታት ኣብ ዝእሰርሉ፣ ቤት ማእሰርቲ ቓናጥር ምስ ኣለም ተስፋይ ብሓባር፣ ናብ ኤርትራ ናይ ምስጓግ ተኽእሎታት ኣንጸላልዩ ዝርከብ።

==============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0