ኢትዮጵያ፣ 3% ካብ ተመሃሮ ጥራይ ናብ ዩኒቨርሲቲ ይሓልፉ

Radio Erena: Monday, 16 October 2023

ኣብ ኢትዮጵያ መሕለፊ ፈተና(ማትሪክ) ናብ ዝለዓለ ትምህርቲ ካብ ዝወሰዱ ክዕሊ 845 ሽሕ ተመሃሮ እቶም 27 ሽሕ ጥራይ ከምዝሓለፉ እዚ ድማ 3 ሚእታዊት ጥራይ ከምዝኾነ ተገሊጹ።

ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ወዲኦም ናብ ዩኒቨርሲቲ ዝሓልፉ ተመሃሮ፣ ምስ ብዝሒ ኣነጻጺርካ ክርአ እንከሎ ኣዝዩ ውሑድ ከምዝኾነ እዚ ድማ ስንፍና ምምሃርን ምስትምሃርን ዘኸተሎ ከምዝኾነ ዩኒሴፍ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ኢትዮጽያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት 88.7 ሚእታዊት ህጻናት ዕድል ትምህርቲ ከምዝረኽቡ ምግባራ ዝነኣድ’ኳ እንተኾነ ካብዚኦም 33.1 ሚእታዊት ጥራይ ናብ ካልኣይ ደረጃ፣ ካብዚ’ውን 3 ሚእታዊት ጥራይ ናብ ዩኒቨርሲቲ ይሓልፉ ብምኳኖም እታ ሃገር ገና ሰፊሕ ስራሕ ከምዝጽበያ ዩኒሳፍ ይገልጽ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር ኣብ ጉዳያት ትምህርትን ስነፍልጠት ጠባይ ደቂ ሰባትን ዶክተር መሰረት ኣሰፋ፣ ኣብ ምምሃርን ምስትምሃርን ስርዓተ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ቀንዲ ጸገም ኮይኑ ዘሎ፣ ንምምሃር ዝሕግዙ እኹላት መሳርሒታትን ዘይምህላዎም ምኳኑ ይገልጽ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0