ኢትዮጵያ፣ ዑቕባ ንምሕታት ናብታ ሃገር ዝኣተወ ጂቡታዊ ፓይሎት ብግዴታ ናብ ዓዱ መሊሳ

Radio Erena: 17 May 2020

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ዑቕባ ንምሕታት ናብታ ሃገር ንዝኣተወ ፓይሎት ሓይሊ ኣየር ጂቡቲ፣ ብግዴት ናብ ዓዱ መሊስዎ።

እቲ ፎኣድ ዮሱፍ ዓሊ ዝተባህለ ኣባል ሓይሊ ኣየር ጂቡቲ፣ ብፕረዚደንት ዑመር ገለ ንዝምራሕ መንግስቲ ብምቛዋም ብ27 መጋቢት ናብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምእታው’ዩ ዑቕባ ሓቲቱ።

እቲ ናይ ሉተናንት ማዕረግ ዘለዎ ፓይሎት ድሕሪ ምህዳሙ፣ ንድስራቤቱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሒዝዎም ዝጸንሐ መንግስቲ ጂቡቲ፣ ኢትዮጵያ ከተረክቦ ክገብር ምጽንሑ ተገሊጹ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ነቲ ፓይሎት፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ፣ ናይ ኮረና መወሸቢ ማእከል ሒዝዎ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ መፋቕር ወርሒ ሚያዝያ ብግዴታ ናብ ዓዱ ከምዝመለሶ ሬድዮ ፍራንስ ኢንተርናሽናል ኣረጋጊጻ።

እቲ ካብ ኢትዮጵያ ብግዴታ ዝተመልሰ ናይ ሉተናትን ማዕረግ ዘለዎ ፓይሎት ሓይሊ ኣየር ጂቡቲ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ‘ጋቦደ’ ኣብ ዝተባህለ ቤት ማእሰርቲ ከምዘሎን ስድራቤታቱን ጠበቓኡን ዝሓለፈ ሰሙን ክበጽሕዎ ከምዝኸኣሉን ተፈሊጡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ምስ መንግስቲ ጂቡቲ ንዘለዎ ረብሓታት ንምኽሳብ ክብል፣ ኣህጉራዊ ሕግታት መሰል ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ብምጥሓስ ነቲ ጂቡታዊ ፓይሎት ብግዴታ ናብ ዓዱ ምምላሱ፣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ተቓውሞታቶም ይልእኩ ኣለዉ።

ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ጉዳይ ኣተሓሕዛ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ብዝኽተሎ ዘሎ ፖሊስ’ውን ካብ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ነቐፌታ ይውሕዙ ከምዘሎ ዝፍለጥ’ዩ።

እቲ መንግስቲ፣ ካብ ኤርትራ ንዝመጹ ሓተቲ ዑቕባ፣ ፍሉይ ጉዳይ ዘለዎም እንተዘይኮይኖም ነቶም ካልኦት ይነጽግን፣ ኣብ ሕጻጽ ዝርከቡ ኣስታት 13 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ድማ ናብተን ካልኦት ፋሕ ክብሉን ምእዛዙ ሓበሬታ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 2
  • comment-avatar
  • comment-avatar
    Merhawi 4 years ago

    bejakum eza afrika hzbs kulu gzi shigri einber