ኢትዮጵያ፣ ካብ ሕ.መ.ኣ. ትረኽቦ ዝነበረት ሓገዝ ደስኪሉ

Radio Erena: 30 August 2020

Trum siginingምምሕዳር ትራምፕ ንኢትዮጵያ ዝለገሶ ልምዓታዊ ሓገዝ ከደስክሎ ምዃኑ፣ መጽሔት ዝምድናታት ወጻኢ’ታ ሃገር ኣመልኪቱ።

ቀንዲ ዕላማ ምድስካል ናይዚ 130 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ፣ ኢትዮጵያ ንምህናጽ ዲጋ ተሓድሶ ብዝምልከት ዝወሰደቶ መርገጺ ክትቅይር ጸቕጢ ንምፍጣር ምዃኑ ይግለጽ።

ብኣመሪካን ባንክ ዓለምን ዝተማእከለ ዘተ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ግብጺን ሱዳንን፣ ከምዝፈሸለ ይፍለጥ። ኣመሪካ ናይ መንጎኝነት ተራ ገዲፋ ውሳኔታት ክትወስድ ጀሚራ ብምባል ኢትዮጵያ ድሕሪ ምስሓባ እዩ እቲ ዘተ ተቛሪጹ።

እንተኾነ ብሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት ሃገራትን ዝተፈተነ ዘተ እውን ገና ፍረ ኣይተረኽቦን።

ምድስካል’ዚ ናይ 130 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ፣ ንጽላታት ወተሃደራዊ ኣካዳሚን ታዕሊምን፣ ጸጥታ፣ ምቁጽጻር ዘይሕጋዊ ስግረ-ዶብ ብቐጥታ ክጸልዎም ምዃኑ እቲ መጽሔት የመልክት።

እዚ ብምምሕዳር ትራምፕ ተወሲዱ ዘሎ ውሳኔ፣ ንዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ክጎድኦ ይኽእል እኳ እንተኾነ፣ ነዚ ፋይናንስያዊ ሃጓፍ ንምምላእ ኢትዮጵያ፣ ናብ ካልኦት ከም ሕብረት ኤውሮጳን ቻይናን ዝኣመሰላ መሻርኽታ ከምእተቋምት፣ ዲፕሎማሰኛታት ይገልጹ።

እዚ ንግብጺ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳይ ዲጋ ተሓድሶ፣ ብቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣመሪካ ክረአ ዝግቦኦ ክነሱ፣ ባንክ ዓለምን ቤት ጽሕፈት ሃብቲ ሃገርን ምምዛዞም፣ ካብ ፈለምኡ’ውን ምትእትታው ኣመሪካ ጥዕና ኣይነበሮን ክብሉ’ዮም ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት ዝገልጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 2