ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዞባ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ብዉሑዱ 37 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 27 June 2019

ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ብዉሑዱ 37 ሰባት ከምዝተቐትሉ ኣመሓዳሪ’ቲ ዞባ ኣፍሊጡ።

ኣሻዲ ሓሰን ንኣሶሼትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ብረት ዝዓጠቑ ውልቀሰባት ብሰንበት ወጋሕታ ናብተን ኣብ መተከል ዝርከባ ንኣሽቱ ዓድታት ብምእታው ሰላማውያን ሰባት ክቐትሉ ከምዝጀመሩ ገሊጹ።

ቤንሻንጉል ጉሙዝ ምስቲ ብዕለት 22 ሰነ ፈተነ ዕልዋ ዝተኻየደሉ ዞባ ኣምሓራ ዝዳወብ እዩ።

ኣመሓዳሪ’ቲ ዞባ ኣሻዲ ሓሰን ኣብ መግለጺኡ፣ እቶም ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ መጥቃዕቲ ዘውረዱ ጉጅለታት፣ ሰዓብቲ ናይቲ ኣብ ባህርዳር ዕልዋ ዝፈተነ ጀነራል ከምዝኾኑ ሓቢሩ።

እቶም ዕጡቓት ጉጅለታት ብዘይካ’ቶም ዝሞቱ 37 ሰባት፣ ንካልኦት 18 ሰባት ድሕሪ ምቑሳሎም፣ ናብ ዞባ ኣምሓራ ከምዝተመልሱ ይግለጽ።

እዚ ንኢትዮጵያ ኣጋጢሙዋ ዘሎ ሓድሽ ማዕበል ዓሌት ዝሰረቱ ግጭት፣ መንግስቲ’ታ ሃገር ህጹጽ ፍታሕ እንተዘይገይሩሉ፣ ነታ ሃገር ኣብ ከቢድ ዓዘቕቲ ክሸማ ከምዝኽእል ፖለቲካውያን ተንተንቲ ይገልጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    ሙሴ ኣሠፋው 5 years ago

    ዞባ ዘይኮነስ ክልል እዩ፡፡ ዞባ ካብ ክልል ዝነኣሰ እዩ