ኡጋንዳ፣ ምስ ቻይና ዝኸተመቶ፣ ናይ ልዕሊ 2 ቢልዮን ዶላር፣ ውዕል ምህናጽ መንገዲ ባቡር ሰሪዛ

Radio Erena: 24 January 2023

ኡጋንዳ፣ ካብ 2015 ኣትሒዛ ምስ ቻይና ዝኸተመቶ ውዕል ምህናጽ ካብ ከተማ ካምፓላ ክሳብ ዶብ ኬንያ ዝዝርጋሕ መንገዲ ባቡር ከምዝሰረዘት ተሓቢሩ።

መንግስቲ ኡጋንዳ፣ ነቲ ኣስታት 2.2 ቢልዮን ዶላር ዝተገመተ ፕሮጀክት ከምዝሰረዞ ዘፍልጥ ዘሎ፣ ቻይና ንመህነጺ እቲ መንገዲ ባቡር ዝውዕል ምወላ ንምርካብ ዝሓንጸጸቶ መደብ፣ ‘ኣየዐወተን’ ብዝብል’ዩ።

እቲ መንግስቲ፣ ነቲ ውዕል ከምዝሰረዞ፣ ናብቲ ነቲ መንገዲ ባቡር ክሃንጽ ዝተሰማምዐ ኩባንያ ቻይና፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ወግዓዊ ደብዳብ ከምዝልኣኸ ስሙ ክዕቀበሉ ንዝመረጸ በዓል ስልጣን እታ ሃገር ብምጥቃስ ሮይተርስ ዝሓለፈ ሰሙን ሓቢሩ።

ኡጋንዳ፣ ነቲ ዝሰረዘቶ ናይ ቻይና ውዕል ብቱርኪ ንምትክኡ ኣማራጺታት ተናዲ ምህላዋ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣገንዚቡ።

ቻይና ንምስራዝ እቲ ውዕል ብዝልከት ዛጊት ዝሃበቶ መግለጺ የለን።

እቲ ካብ ከተማ ካምፓላ ተበግሱ ኣስታት 270 ኪሎሜተር ክሳብ ዶብ ኬንያ ክዝርጋሕ ተመዲቡ ዘሎ መንገዲ ባቡር፣ ምስቲ ክሳብ ወደብ ሞምባሳ ዝቕጽል ሓዲድ ንምትእስሳሩ ዝዓለመ’ዩ።

ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ኡጋንዳ፣ ንወደባት ኬንያ ብቀዳምነት ካብ ዝጥቀማሉ ሃገራት እቲ ዞባ’ያ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

======================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0