ኤርትራ፣ ካብ ሽያጥ ኩባንያ ዕደና ዳናካሊ 45 ሚልዮን ዶላር ግብሪ ክትረክብ’ያ

Radio Erena: 25 January 2023

ኣብ ኤርትራ፣ ዳህሳስን ኩዕታን ፓታሽ ዘካይድ ዘሎ ናይ ኣውስትራልያ ኩባንያ ዳናካሊ፣ 50% ናይቲ ናይ ዕደና ፕሮጀክት፣ ኣብ ምህናጽ ጽርግያን ድልድላትን ንዝነጥፍ፣ ሲሽዋን ዝተባህለ ናይ ቻይና ኩባንያ ክሸጦ ምስምምዑ ክግለጽ ወሪሑ’ዩ።

ብመሰረት እቲ ዝሓለፈ ክልተ ቅነ ዝተኸተመ ስምምዕ፣ እቲ መሸጣ ኣብ ወርሒ ሰነ 2023 ግብራዊ ከምዝኸውን ኣገልግሎት ዜና ኤኮፋ ሓቢሩ።

ኩባንያ ሲሽዋን፣ ነቲ ፕሮጀክት ንምዕዳግ፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝወሃብ 45 ሚልዮን ዶላር ግብሪ ዘጠቓለለ፣ 166 ሚልዮን ዶላር ንኩባንያ ዳናካሊ ክኸፍል’ዩ።

ኣብቲ 180 ኪሎሜትር ንደቡብ ካብ ወደብ ባጽዕ ርሒቑ ዝርከብ ኩለሊ፣ ኣስታት 1.1 ቢልዮን ቶን ዕቝር ፖታሽ ከምዘለዎ፣ ነቲ ዳህሳስን ኩዕታን ዘካይድ ዘሎ ኩባንያ ዳናካሊ ይገልጽ።

ኣብ 2030 ፍርያት ፖታሽ፣ ንልዕሊ 50% ሰደድ ውጽኢት ዕደና ኤርትራ ክሽፍን ምዃኑ ይግመት።

ንፍርቂ ብጽሒት ናይቲ ክሳብ 530 ሚልዮን ዶላር ኣብ ዓመት ኣታዊ ክርከቦ ትጽቢት ዝግበረሉ ዕደና ዓዲጉ ዘሎ ቻይናዊ ኩባንያ ሲሽዋን፣ ኣቐዲሙ’ውን ኣብ ከባቢ ኣስመራ ንዝርከቡ ፕሮጀክታት፣ ካብ ኣውስትራልያዊ ትካል ሳንሪጅ ከምዝዓደገ ኣይርሳዕን።

እቲ ናይ ቻይና ኩባንያ፣ ካብ 1996 ኣትሒዙ ኣብ ኤርትራ ኣብ ምህናጽ ጽርግያታት፣ ምሕዳስ ላዕለዋይ ትካላት ትምህርቲን ሆስፒታላትን ዝርከቦ ሽዱሽተ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ከምዘካየደ ይግለጽ።

ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ኩባንያ፣ ኣብ ኤርትራ ካብ ዘካየዶ ናይ ህንጻ ፕሮጀክት ንላዕሊ ናብ ዕደና ዛዝዩ ይርከብ።

ኣብ ኤርትራ፣ ብውሕዱ 16 ናይ ዕደና ፕሮጀክታት ከምዘሎ ጸብጻብ ማይኒንግ ይጠቅስ።

ኣብ ኩሉ’ቲ ብናይ ወጻኢ ኩባንያታት ዝካየድ ዕደና፣ 40% ብጽሒት ወኒኑ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ፣ ወጻኢታቱ ይኹን ኣታዊታቱ፣ ብዘይግሉጽነት ብምስጡር ሒዝዎ ምህላዉ ይፍለጥ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0