ነፈርቲ ውግእ ሊብያ፣ ኣብ ኣጅዳብያ ስደተኛታት ቀቲለን

ነፈርቲ ውግእ ሊብያ፣ ኣብ ኣጅዳብያ ስደተኛታት ቀቲለን

Radio Erena: 31 December 2015

Ad Liob

ነፈርቲ ውግእ ሊብያ፣ ኣብ ምብራቓዊ ከተማ ኣጅዳብያ ብዘካየድኦ ደብዳብ ብውሕዱ ሓሙሽተ ስደተኛታት ተቐቲሎም።

ኣብቲ ንዳዒሽ ዒላማ ዝገበረ ደብዳብ 15 ስደተኛታት’ውን ከምዝቖሰሉ’ዩ ዝግለጽ።

እቲ ደብዳብ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ብሱዳናውያን እትውነን ቤት ሻሂ ከምዝተፈጸመ ዝገለጸት ሬድዮ ዳባንጋ ከኣ እቶም ግዳያት ብምሉኦም ሱዳናውያን ምዃኖም’ያ ትጠቕስ።

 

ነፈርቲ ውግእ ሊብያ፣ ኣብ ልዕሊ’ታ ሱዳናውያን ስደተኛታት ዝተኣኻኸቡላ ቤት ሻሂ ደብዳብ ዘካየዳሉ ምኽንያት፣ ጉጅለ ዳዒሽ ኣጽዋር ዝኽዝነሉ ሕቡእ መኻዚኖ ከምዝነበራ ስለዝተጠርጠረት’ዩ።

መንግስቲ ሱዳን ብዛዕባ’ዚ ብዝምልከት ዝኾነ መግለጺ ኣይሃበሉን።

ይኹን’ምበር ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ሱዳን ምስቲ ኣብ ሊብያ ዝርከብ ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዒሽ ይጽንበሩ ምህላዎም በብእዋኑ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

መብዛሕቶም እቶም ናብ ዳዒሽ ዝጽነብሩ ዘለዉ ዜጋታት ሱዳን ምስ ስደተኛታት ተጸንቢሮም’ዮም ናብ ሊብያ ዝኣትዉ።

160 ኪሎሜተር ንምዕራብ ካብ ቤንቓዚ ርሒቓ እትርከብ ኣጅዳብያ ሓንቲ ካብተን ስደተኛታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን ብብዝሒ ዝርከቡለን ከተማታት ሊብያ ምዃና ይፍለጥ።
==================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0