ስዑዲ ዓረብን ቱርኪን ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ንምግባር ይሰማምዓ

ስዑዲ ዓረብን ቱርኪን ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ንምግባር ይሰማምዓ

Radio Erena: 31 December 2015

Erd Sal

ስዑዲ ዓረብን ቱርኪን ኣብ መንጎአን ወትሃደራውያን ቁጠባንው ምትሕግጋዝ ክህሉ ተሰማሚዐን።

እዚ ስምምዕ ዝተበጽሐ፣ ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኦርዶጋን ብሰሉስ 29 ታሕሳስ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ወግዓዊ ዑደት ብምክያድ ምስ ንጉስ ሳልማን ድሕሪ ዘካየዶ ዝርርብ’ዩ።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣውራ ዘተኮርሉ ነጥቢ ጉዳይ ሶርያ እኳ እንተነበረ፣ ኣብቲ ዞባ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት ብሓፈሻ’ውን ተመያይጠምሉ።

 

ስዑዲ ዓረብን ቱርኪን ኣብ ጉዳይ ሶርያ ሓባራዊ መርገጺ ብምውሳድ ሩስያ ንፕረዚደንት ባሻር ኣልኣሳድ እትግበሮ ዘላ ደግ ከኣ ተቓዊመን።

ብዘይካ’ዚውን፣ ኢራን ኣብ ከም በዓል የመን ትፍጽሞ ኣላ ንዝብሃል ምትእትታው፣ ቱርኪ ተቓውሞኣ ከተስምዕ ንጉስ ስዑዲ ዓረብ ሓቲቱ።

ቱርኪ ኣባል እቲ ኤርትራ እትርከቦ ብስዑዲ ዓረብ ዝተመርሐ እስላማዊ ኪዳን ኣንጻር ግብረ ሽበራ’ያ።

ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኦርዶጋን ናብ ስዑዲ ዓረብ ወግዓዊ ምብጻሕ ከካይድ ኣብዚ ዓመት እዚ ጥራይ ንኻልኣይ ግዚኡ’ዩ።

ስዑዲ ዓረብ፣ “ኣብቲ ዞባ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት ብቀጥታ ይጸልወኒ’ዩ፣” ካብ ዝብል ስግኣት፣ ኣብ የመን ቀጥታዊ ወትሃደራዊ ምትእትታው ክትፍጽም እንከላ ኣብ ሶርያ ከኣ ፕረዚደንት ባሻር ኣል ኣሳድ ካብ ስልጣን ክእለ ኣለዎ ኣብ ዝብል መርገጺ ደጊፋ ኣላ።

እታ ሃገር ድሕሪ’ዚ ናይ የመንን ሶርያን ኩነታት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም መራሕቲ ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፣ ቱርኪን ሰበ ስልጣን ካልኦት ሃገራትን ብምዕዳም፣ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ኣብ ምዝታይ ትርከብ።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0