“ነበርቲ ሓደ ሓደ ከባቢታት ኣስመራ፣ ሎሚ ምሸት ካብ ኣባይቶም ከይወጹ መጠንቀቕታ ተዋሂቡ” ኤምባሲ ኣመሪካ

Radio Erena: 23 November 2020

ነበርቲ ሓደ ሓደ ከባቢታት ኣስመራ፣ ሎሚ ምሸት ካብ ኣባይቶም ከይወጹ ዘጠንቅቕ ሓበሬታ፣ ብመንግስቲ ከምዝተሓበሮም ኣብ ኣስመራ ዝመደበሩ ኤምባሲ ኣመሪካ፣ ኣብ ወግዓዎ መርበብ ሓበሬትኡ ለጢፉ።

እቲ ኤምባሲ፣ ኣብ ኣስመራ ዝርከቡ ዜጋታቱ፣ ዘየድሊ ምንቅስቓስ ካብ ምግባር ክቑጠቡ’ውን ተላብዩ።

እቲ ምኽንያት ኣይተፈልጠን።

ይኹን’ምበር፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ ባህርዳር ዝተኻየደ ደብዳብ፣ ካብ ትግራይ ዝተወንጨፈ ሮኬታት ኣስመራ ክዓለብ ይኽእል’ዩ ዝብል ስግኣት ከምዘሎ ኣብታ ከተማ ብሰፊሑ ይዝረበሉ ኣሎ።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    wedinakfa 3 years ago

    HASEWUTI HASEWUTI HASOT IS YOUR WHOLEMARK.