Radio Erena: 30 July 2020
ኩባንያ ቻይና፣ ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ኣርባዕተ ፕሮጀክታት ካብ ዘካይዶ ዘሎ ዕደና ዚንጎን ነሓስን፣ እቲ ዝበዝሐ ናብ ቻይና ክልእኮ ምዃኑ ተሓቢሩ።
እቲ ‘ሲሹዋን’ ዝተባህለ ኩባንያ፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ፣ ብፕሮጀክት ኣስመራ ኣብ ዝፍለጥ ኣርባዕተ ቦታታት ናይ ዘካይዶ ዕደና ፍርያት ናብ ዕዳጋ ዓለም ከቕርብ ጸኒሑ’ዩ።
50% ካብኡ ናብ ቻይና’ዩ ክልእኮ ጸኒሑ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ከኣ ዝያዳ 50% ፍርያት ዕደና ናይቲ ፕሮጅከት ናብ ቻይና ክልእኮ ምዃኑ ተገሊጹ።
እዚ ድማ፣ ቻይና፣ ካብ ካልኦት ሃገራት ከተእትዎ ዝጸንሐት ብዝሒ ዚንጎ ነሓስን ብሰንኪ ኮረና ቫይረስ ስለዝነከየ ምዃኑ ኣብ ቁጠባን ዕደናን ዘተኮረ ጸብጻባት የመልክት።
ቲንክ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ሓፈሻዊ እታው ዚንጎን ነሓሰን ቻይና፣ ኣብ ወርሒ ሰነ ከንቆልቁል እንከሎ፣ ካብ ኤርትራን ኣውስትራልያን እትሽምቶ ግና ብ42% ከምዝወሰኸ ጠቒሱ።
ኣብቲ ብኣስመራ ፕሮጀክት ዝፍለጥ ዕደና፣ ክሳብ 2024 ዓመት ምህረት፣ 1.2 ሚልዮን ቶን ዚንጎን ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ቶን ነሓስን ከፍሪ ከምዝኽእል’ዩ ተገሚቱ።
ኣብ ኤርትራ፣ ብውሕዱ 16 ኩባንያታት ወጻኢ ንጥፈታት ዕደና ኣብ ምክያድ እኳ እንተለዋ፣ ብዛዕባ ፍርያተን ይኹን ዛጊት ናብ ዕጋዳ ዘቕረብኦ ብዝሒ ማዕድንን ካብኡ ዝተረኽበ ኣታዊን ብዝምልከት፣ መንግስቲ ኤርትራ ንህዝቢ ግሉጽ ሓበሬታ ኣይህብን’ዩ።
================