Radio Erena: Monday, 08 January 2024
ኣብ ኢትዬጵያ፣ ክልል ትግራይ፣ ንክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኵናትን ደርቂን ዘስዓቦ ስእነት መሰረታዊ መግብታት፣ ኣብዚ እዋን‘ዚ‘ውን፣ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ንዓጸቦ ተቓሊዖም ከምዘለው ይግለጽ ኣሎ።
እዚ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ናይቲ ክልል ተኸሲቱ ዘሎ ጥሜት፣ ብፍላይ ንኣዴታት፣ ቆልዑን ኣረጋውያንን ናብ ኣፈፌት ሞት ኣብጺሖም ምህላዉ ማዕከናት ዜና የተሓሳስባ።
ካብ መስከርም ኣትሒዙ ክሳብ ኣስታት 800 ሰባት ብ ዓጽቦ ከምዝሞቱ’ዩ አቲ ክልል ዘመልክት።
ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ብዘቕረበቶ ዜና መሰረት፣ ካብ ከተማ መቐለ ኣስታት 120 ኪሎሜተር ንደቡብ ርሑቑ ኣብ ዝርከብ ከባቢታት ኣበርጌሌ፣ ብሰንኪ ዓጸቦ ልዕሊ 90 ሰባት ሞይቶም።
ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ 13 ንኡስ ምምሕዳር ወይ ቀበሌታት፣ ኣብ ክራማት ብሰንኪ ዝነበረ ደርቂ፣ ምህርቲ ንምሕፋስ‘ውን ስለዘይክኣሉ ብዝያዳ ከምዝተሃስያ‘ዩ ምምሕዳር ዝጠቕስ።
መንግስቲ ኢትዬጵያ፣ ብዛዕባ‘ዚ ኣብ ክልል ትግራይ ተኸሲቱ ዘሎ ከቢድ ደርቂን ዓጸቦ ዘሰዕቦ ዘሎ ሞትን ብዝምልከት መግለጺታት ክህብ ይኹን ናይ ደገፍ ጻውዒት ከቕርብ ኣይተሰምዐን።
ኣብ ኢትዬጵያ፣ ኣብ ኣብ ዝተፈላለየ ክልላት ብሰንኪ ኵናትን ደርቂን ተጸባዪ ረዲኤት ናይ ዝኾነ ብዝሒ ህዝቢ ልዕሊ 13 ሚልዮን ከምዝግመት ትካላት ረዲኤት የመልክታ።
ስእሊ፦ ካብ አርካይቭስ ኢንተርነት
=======================
COMMENTS