RADIO ERENA:- Tuesday, 05 March 2024
ኣብ ቱርኪ፡ ጂኦ ፖለቲካዊ ኩነታት ኣብ ኣህጉራዊ ንግዲ ፈጢርዎ ዘሎ ብድሆታት ብዝምልከት፡ ኣህጉራዊ ዋዕላ ተኻይዱ።
እቲ ብ‘ኣናቶልያ ዲፕሎማሲ ፎሮሞ‘ ዝተሰምየ ኣህጉራዊ ዋዕላ፡ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርከብዎም መራሕቲን ላዕለዎት ሰበ ስልጣንን ሓያሎ ሃገራት ተሳቲፎም።
ጂቡቲን ሶማልን፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣጋጢሙ ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት ዝዳህሰሰ መደረታት‘የን ኣስሚዐን።
ሰላምን ርግኣትን ናይተን ቀይሕ ባሕሪ ዘዋስነን ሃገራት ምዕቃብ ማለት፡ በቲ ክሊ ማይ ዝካየድ ኣህጉራዊ ንግዲ ምውሓስ ማለት ምዃኑ‘ዩ ፕረዚደንት ሶማል፡ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብቲ ዋዕላ ኣረዲኡ።
ኢትዮጵያ፡ ንሉኣላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማል ብምጥሓስ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ንምውናን በይናዊ ተበግሶ ትወስድ ከምዘላ ዝወቐሰ እቲ ፕረዚደንት፡ እዚ ድማ ነቲ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ተአፋፊ ኩነታት ዘጋድድ ምዃኑ ኣስሚርሉ።
ምስዚ ተተሓሒዙ፡ ቱርኪ ኣቐዲማ ምስ ሶማልን ጂቡቲን፡ ኣብ ወትሃደራዊ መዳይ ዘተኮረ ሓያሎ ስምምዓት ከቲማ ‘ያ።
ብፍላይ ምስ ሶማል፡ ክሊ ማይ ሶማል ንምሕላዋ ኣብ ዘኽእል ውዕል ሓይሊ ባሕሪ ኣለወን።
ቀይሕ ባሕሪ፡ ብሰንኪ‘ቲ ሑቲ ናይ የመን ኣብ ልዕሊ መራኽብ ዝፍጽሞ ዘሎ መጥቃዕቲን ጸጸኒሑ ዝካየድ ቅርሰናን፡ በቲ ክሊ ማይ ንዝካየድ ንኣህጉራዊ ንግዲ ውሕስነቱ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቕዎ ይርከብ።
=====================
COMMENTS