ተበግሶ ዓለም ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፣ ናይ ህጹጽ እዋን መሪሕነት መሪጹ

Radio Erena: 29 November 2020

ተበግሶ ዓለም ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፣ ናይ ህጹጽ እዋን መሪሕነት ከምዝመረጸ ኣፍሊጡ።
እቲ ምንቅስቓስ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ኲናት ሃንደበት ዝመጸ ዘይኮነስ ብመደብ ኢሳይያስን ኣቢይን ከም ዝተሃንደሰ ዘመላኽቱ ተርእዮታት ኣዝዮም ብዙሓት’ዮም ድሕሪ ምባል፣ ሰራዊት ኤርትራ ምስቶም ትማሊ ን30 ዓመታት ዘድመዩና ኣስፋሕፋሕቲ ሓይልታት ተላፊኑ ኣብ ዘይምልከቶ ውግእ ብኣስገዳድ ተጠቢሱ ይርከብ ኣሎ ኢሉ።
ነዚ ዝረአ ዘሎ ሃደገኛን ተሃዋስን ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ግምት ብምእታው፣ ተበግሶ ዓለም ለኻዊ ይኣክል ነዚ ሓደጋ ክገጥምን ህላወ ልኡላዊት ኤርትራ ክከላኸልን ቃልሱ ናብ ዝለዓለ መድረኽ ከሰጋግር ወሲኑ፣ ክብል እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ኣፍሊጡ።
ኣብዚ ሓድሽ መስሪቱዎ ዘሎ ስርርዕ ከኣ ትሽዓተ ዝኣባላታ መሪሕነት ብምቛም ንኣቶ ወሰንሰገድ ሓጎስ ከም ኣቦ ወንበር፣ ኣቶ ሮሞዳን በኺት ምኽትሉ ከምኡ’ውን ኣቶ ተስፋሂወት ኪዳነ ከም ጸሓፊ ከገልግሉ መሪጹ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
ኣብ መወዳእታ፣ ኣብ መስርሕ ምምስራት ባይቶ ይኣክል ዝርከባ ሃገራት ብህጹጽ ክጽምበራ፣ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ በብወገኑ ደገፉ ከበርክት ዓለም ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ጸዊዑ።

COMMENTS

WORDPRESS: 2
  • comment-avatar
    Angeb 3 years ago

    25 ዓመት kolel አልኩም አንታይ afrikum
    ሻኤብያ ኣብ 25 ዓመት ሃገር hara awsia
    ሃተውከተው

  • comment-avatar
    ሚኪ 3 years ago

    ንሶም ኮለል ምባሎም ይቐጽሉ፡ እቲ ስርሑ ድሰርሕ ክኣ ስርሑ ይስራሕ እምበር ወላ ሓደ ፍረ ከፍርዩ ኣይክእሉን እዮ። ምሽ እዚኦም እታ ብዙሕ ትፍክር ዝነበረት ጁንታ እኳ ወላ ሓደ ክትገብር ኣይከእለትን። ሱቕ ጥዑም ድየን ዝብላ በዓል ማማ!!! ዓቕምኹም ሕለሙ በሎም።