ብፖለቲካ ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል ብዝቕጽልዎ ዘለዉ ጎነጽ ሓደ መንእሰይ ተቐቲሉ

ብፖለቲካ ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል ብዝቕጽልዎ ዘለዉ ጎነጽ ሓደ መንእሰይ ተቐቲሉ

Radio Erena: 06 July 2018

Eritrean killed by Eritrean in Israel

ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ እስራኤል፣ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ደገፍቲ ህግደፍን ደለይቶ ደሞክርስያዊ ለውጥን ክርአ ብዝጸንሐ ጎንጽን ናዕብን፣ ሓደ መንእሰይ ብኻራ ከምዝተቐትለ ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብታ ሃገር ኣረጋጊጹ።

ማዕከን ዜና ሃረጽ ብዘቕረቦ ሓበሬታ መሰረት ከኣ፣ ሓደ ኤርትራ ደጋፊ መንግስቲ ንኻልእ ኤርትራዊ ተቓዋሚ፣ ኣብ ከተማ ቤር ሺቫ ብኻራ ወጊኡ ከምዝቐተሎ ኣመልኪቱ።

ቀታሊ፣ ባዕሉ ንፖሊስ ኢዱ ከምዝሃበ’ውን እቲ ምንጪ ጠቒሱ።

እዚ ብ1 ሓምለ ዘጋጠመ ቅትለት፣ ከም መቕጸልታ ናይቲ ብምኽንያት ጽምብል መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኤርትራውያን ደገፍትን ተቓወምትን መንግስቲ ዘካየድዎ ሓድሕዳዊ ባእስን ዕግርግርን’ዩ።

ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተጎሃሃረ ግጭት ሓደ ፖሊስ እስራኤል ዝርከቦም ሓያሎ ኤርትራውያን ከምዝቖሰሉ ኣይርሳዕን።

=======================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0