ኣብ ኤርትራ ፍሉይ ስልጠና ክወስድ ዝጸንሐ ሰራዊት የመን፣ ናብ ከተማ ሖደይዳ የምርሕ

ኣብ ኤርትራ ፍሉይ ስልጠና ክወስድ ዝጸንሐ ሰራዊት የመን፣ ናብ ከተማ ሖደይዳ የምርሕ

Radio Erena: 08 July 2018

tehamኣብ ኤርትራ ፍሉይ ስልጠና ክወስድ ዝጸንሐ ሰራዊት የመን፣ ናብ ከተማ ሖደይዳ ከምዘምረሐ ተገሊጹ።

ካብ ኢማራት ዓረብ ዝተመሓላለፈ ዜና ከምዘመልክቶ፣ እቲ ቲሓማ ብርጌድ ዝተሰምየ ፍሉይ ኣሃዱ፣ ኣብ ከባቢ ዓሰብ ናይ ኤርትራ ወተሃደራዊ ስልጠና ክወስድ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ንከተማ ሖደይዳ ንምሕራር ምስ ኣልሑቲ ክገጥም ምዃኑ ተሓቢሩ።

የመናዊ ኣዛዚ ሰራዊት ኮሎኔል መሓመድ ኣል ሒምያሪ ንኣገልግሎት ዜና ‘ዘ ናሽናል’ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ‘እቲ ፍሉይ ብርጌድ፣ ኣብ ከተማ ሖዴይዳ ተወሊዶም ብዝዓበዩ መንእሰያት ዝቖመ ስለዝኾነ፣ ንኣልሑቲ ካብ መሽጎራጉር’ታ ከተማ እውን ከውጽእ ክእለት ኣለዎ’ ኢሉ።

ንሱ ብተወሳኺ፣ እቲ ብርጌድ ኣብ ኤርትራ ፍሉይ ስልጠና ድሕሪ ምውሳዱ፣ ምሉእ ሞራልን ናይ ምውጋእ ዓቕምን ኣጥርዩ ከምዘሎ ገሊጹ።

እቲ ፍሉይ ኣሃዱ፣ ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 6 ሓምለ፣ ኣብ ደቡብ ሖዴይዳ ንእትርከብ ኣል ታሒታ ዝተባህለት ዞባ ካብ ኣልሑቲ ብምምንዛዕ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ከምዘእተዋ ማዕከናት ዜና ኢማራት ምግላጸን ዝዝከር’ዩ።

ኣብቲ እዋን’ቲ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ኣባላት ኣልሑቲ ኢዶም ክህቡ እንከለዉ፣ ዝተረፉ ከኣ ብረቶም ራሕሪሖም ከምዝሃደሙ፣ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ገሊጻ።

ኣመሪካ፣ መሳለጥያታት ወደባት ሖደይዳ ብኲናት ከይዓኑ፣ ዕጡቓት ሓይልታት ኣልሑቲ ብሰላም ካብታ ከተማ ክወጹ፣ ብመንገዲ ወኪላ ኣብቲ ዞባ ኣቢላ እማመ ኣቕሪባ’ያ። እንተኾነ ነታ ወደባዊት ከተማ ንምቁጽጻር ዝካየድ ኲናት ገና ቀጻሊ ከምዘሎ ምንጭታት ዜና ካብታ ሃገር የመልክቱ።

======================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0