ፓርላማ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራ ዝመደበረን ሰለስተ ዓበይቲ ተቓወምቲ ግንባራት ካብ መዝገብ ሽበራ ክስረዛ ወሲኑ

ፓርላማ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራ ዝመደበረን ሰለስተ ዓበይቲ ተቓወምቲ ግንባራት ካብ መዝገብ ሽበራ ክስረዛ ወሲኑ

Radio Erena: 06 July 2018

Ethiopian Parliament

ፓርላማ ኢትዮጵያ፣ ንኦነግ፣ ኦብነግን ግንቦት ሸውዓተን ዝተባህለ ናይ ኦሮሞ፣ ሶማልን ኣምሓራን ውድባት ካብ መዝገብ ሽበራ ክስረዛ ወሲኑ።

እቲ ፓርላማ ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝቐረበሉ እማመ፣ ብ5 ሓምለ፣ ብዓብላል ድምጺ ብምድጋፍ’ዩ ነተን ኣብ ኤርትራ ዝመደበረን ጉጅለታት ካብ መዝገብ ሽበራውያን ጉጅለታት ደምሲሱወን ዘሎ።

ጎኒ ጎኒ’ዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሓለፍቲ ኣብያተ ማእሰርቲ ክልል ኦሮምያ ንዝነበሩ ሓሙሽተ ሰበ ስልጣን ካብ ዝመዝነቶም ሰጕጉ።

ካብ ኢትዮጵያ ዝፍኖ ዘሎ ሓበሬታ ከምዘአልክቶ፣ እቶም ዝተሰጉ ሰበ ስልጣን፣ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ናይ ዝተፈጸመ ምግሃሰ መሰል እሱራት ብሓላፍነት ተሓተቲ’ዮም ተባሂሉ ስለዝተኣምነሉ’ዩ።

ኣብ ካልእ ዜና፣ ኣብ ኢትዮጵያ ጸጸኒሑ ምስ ዘጋጥም ዘሎ ጸጥታዊ ሃጓፋት ብዝተሓሓዝ ኣምሓዳሪ ዞባ ሲዳማን ከንቲባ ከተማ ኣዋሳን ካብ መዝነቶም ብወለንትኦም ተኣልዮም።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0