ቤት ምኽሪ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ኣበርክቶ ይገብራ ኣለዋ ንዝበለን ሽዱሽተ ኩባንያታት ኣጊዱ

Radio Erena: Tuesday 23, January 2024

ቤት ምኽሪ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ኣበርክቶ ይገብራ ኣለዋ ኣብ ልዕሊ ዝበለን ሽዱሽተ ኩባንያታት፣ ብ22 ጥሪ እገዳ ከምዘንበረ ኣፍሊጡ።

እዘን ኣብ ኵናት ተጸሚዶም ምስ ዘለዉ ሰራዊት መንግስቲን ፈጣን ሓይልታትን ርክባት ከምዘለወን ዝተጠርጠራ ኩባንያታት፣ ኣብ ሱዳን ዝርከባ ኮይናን፣ ኣብ ፍርያት ሓጺነ መጺንን ሰንዓን፣ ኣብ ምልኣኽን ሰደድን ከምኡ ድማ ውፍሪን ንግድን ዝነጥፋየን።

ገሊኤን ኣብ ምጽጋንን ምስናዕን ኣጽዋር ከምዝተሳተፋ ክኽሰሳ እንከለዋ ገሊኤን ድማ ኣብ ምስግጋር ኣጽዋር፣ ገንዘብን ካልእ ሎጂስቲክን ከምዝነጥፋዩ እቲ ቤት ምኽሪ ወቒሱ።

ኣብ ልዕሊዘን ኩባንያታት፣ ተነቢሩ ዘሎ እገዳታት፣ ካብ ምድስካል ናይ ወጻኢ ሕሳብ ኣትሒዝካ ክሳብ ምስአን ዝግበር ንግዳዊ ርክባት ምስራዝ ዘጠቓለለዩ።

እቲ ቤት ምኽሪ፣ ኵናት ሱዳን ኣብ ዝተወልዓሉውን፣ ነቲ ወጥሪ ኣብ ምግዳድ እጃም ኔርዎም ኣብ ልዕሊ ዝበሎም ውትሃደራውያን ሰበ ስልጣን ውን ተመሳሳሊ እገዳ ምንባሩ ይዝከር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0