Radio Erena: Friday, 22 December 2023
ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ዕጡቓት ሓማስን ኣብ ልዕሊ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፣ ምቁራጽ ተኹሲ ዝጠልብ ድምጺ ኣመልኪቱ ውሳኔኡ ከሕልፍ ትጽቢት ይግበረሉ።
15 ኣባላት ዝሓቖፈ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ትማሊ ሰኑይ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንዝተነድፈ ተኹሲ ናይ ምቁራጽ ስምምዕ ውሳኔ ክህብ እኮ እንተነበሮ -ዲፕሎማሰኛታት ኢማራት ዓረብን ኣሜሪካን ኣብ ቅድመ ኩነታት ናይቲ ስምምዕ ስለ ዘይተረዳደኣ ተደናጉዩ’ሎ።
በዓል ስልጣን ሓማስ ኦሳማ ሓምዳን ትማሊ ሰኑይ ኣብ ቤሩት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ እቲ ጉጅለ “ንተኹሲ ደው ምባል ዝዓለመ ዝኾነ ይኹን ተበግሶ ክፉት ምዃኑ” እኳ እንተገለጸ፣ “ወራር እስራኤላውያን ምሉእ ብምሉእ ክሳብ ዝቋረጽ ኣብ ስምምዕ ምልውዋጥ ጅሆ ዝካየድ ስጉምቲ ግን የለን” ክብል ኣተሓሳሲቡ።
በዚ ምኽንያት እዚ፣ ኣመሪካ እስራኤላውያንን ፍልስጤማውያንን ብሰላምን ጸጥታን ክነብሩሉ ዝኽእሉ ነባሪ ሰላም ንምንዳይ ትጽዕር ከም ዘላን፣ ተኹሲ ብቕልጡፍ ደው ክብል ዝቐርብ ጻውዒታት ነባሪ ፍታሕ ዘምጽእ ከምዘይኮነ ትምጉት።
ሓደ ዲፕሎማሰኛ ሕቡራት ሃገራት፣ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ “እቲ ዝርርብ ቀጻሊ’ዩ ዘሎ፣ ተወሳኺ ግዜ’ውን የድልዮ። ብታህዋኽ ድምጺ ምሃብ ውጽኢታዊ ኣይከውንን” ክብል ገሊጹ።
=====================
COMMENTS