ቀይሕ ባሕሪ፣ ሓንቲ ናይ ንግዲ መርከብ ካብ መጥቃዕቲ ንስክላ ኣምሊጣ

RADIO ERENA – Thursday, 25 April 2024

ብረቡዕ 24 ሚያዝያ፣ ብቀይሕ ባሕሪ እትሓልፍ ዝንበረት ናይ ንግዲ መርከብ፣ ካብ ዝተተኮሰላ ሚሳይላት፣ ካብ መጥቃዕቲ ንስክላ ከምዘምለጠት ተሓቢሩ።

እታ ዛጊት ዋንነት ዘይተሓበረ መርከብ፣ ብረቡዕ 24 ሚያዝያ፣ ኣብ ክሊ ማይ መጻብቦ ባብ ኤልመንደብ ኣብ ዝበጽሓትሉ እዋንዩ ኣብ ከባቢኣ ምፍንጃራት ኣጋጣሚሙ።

ኣብ ብሪጣንያን ዝመደበሩ፣ ንጸጥታ ባሕሪ ናይ ንግዲ መራኽብን ዝከታተል ትካል (UKMTO ) ብዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ኣብ ታመርክክከብ ይኹን ኣብ ሰራሕተኛታታ ዝወረደ ጉድኣት የለን።

ሑቲ ናይ የመን፣ ኣብ ልዕሊ መራኽን ዝጅመሮ መጥቃዕታት ብዝልዓለ ናህሩ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፣ ፈረንሳን ጀርመንን ዝርከብአን ሃገራት ኤውሮጳ፣ ተልእኾአን ከይዛዘማ መራኽብ ኵናትተን ካብ ቀይሕ ባሕር ይስሕባ ኣለዋ።

ምስሓብ መራኽብ ኵናት ኤውሮጳ፣ ንሑቲ ፍናን ሂብዎ ከምዘሎ ዝተፈላለያ መርበባት ይጠቕሳ።

=================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0