Radio Erena: 21 October 2020
ኣብ ሽወደን፣ ብዛዕባ ሃለዋት ዳዊት ኢሳቕ ብዝምልከት፣ ኣብ ልዕሊ ሓያሎ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ክሲ ተምስሪቱ።
እቲ ሎሚ 21 ጥቅምቲ ዝተመስረተ ክሲ፣ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ፣ ናብ ሽወደን ኣብ ዝገሽሉ እዋን፣ ብፖሊስ ተታሒዞም፣ ብዛዕባ ሃለዋት ዳዊት ኢሳቕ መርመራ ክካየደሎም ዝጠልብ’ዩ።
ኣብቲ ክሲ ስማቶም ተጠቒሱ ዘሎ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ኣማኻሪኡ ኣቶ የማነ ገብርኣብ፣ ሚኒስተር ዜና፣ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፣ ሚኒስተር ጉዳያት፣ ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፣ ሚኒስተር ፍትሒ፣ ፎውዝያ ሓሽም፣ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት፣ ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮውሃንስ፣ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን፣ ብርጋደር ጀነራል ኣብራሃ ካሳ፣ ከምኡ ድማ፣ ኣዛዚ ውሽጣዊ ጸጥታን ፖሊስን፣ ብርጋደር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግልን’ዮም።
እቲ ናብ ፖሊስ ሽወደን ቀሪቡ ዘሎ ክሲ ተቀባልነት እንተረኺቡ፣ እቲ ጉዳይ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ክሰጋገር ተኽእሎ ከምዘሎ፣ ሓው ነቲ ን19 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ፣ ኢሳይያስ ኢሳቕ ንራድዮ ኤረና ኣብ ዝሃቦ ቃል ገሊጹ።
እቲ ክሲ፣ ንዳዊት ኢሳቕ ብእትጣብቅ ናይ ሽወደን ማሕበር ጥራይ ዘይኮነ፣ ካብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዝተወከሉ 12 ክኢላታት ሕጊን ሰብኣዊ መሰላት’ውን ከቲሞምሉ’ዮም።
ገለ ካብኣቶም፣ ንስልማት ኖቤል ተሓጽያ ዝነበረት ኢራናዊት ሺሪን ዔባዲ፣ ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝነበረት ደቡብ ኣፍሪቃዊት ናቪ ፒላይ፣ ዳኛ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ፣ ፕረዚደንት ናይቲ እባ ጉዳይ ርዋንዳ ዝቖመ መጋብኣያን ሚኒስተር ፍትሒ ካናዳን ዝነበረ ኢርዊን ኮትለር፣ ክኢላን ኣማኻሪን ሕጊ ኤርትራዊ ዳኒኤል ረዘነ፣ ኣደ መንበር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝነበረት ደቡብ ኣፍሪቃዊት ፓንስይ ትላኩላን ይርከብዎም።
ናይ ኤርትራን ሽውደንን ድርብ ዜግነት ዘለዎ ዳዊት ኢሳቕ ዝርከብዎም ሓያሎ ኤርትራውያ ጋዜጠኛታትን ኣዳላውትን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት፣ ኣብ መስከረም 2001 ካብ ዝተኣስርሉ ዕለት ክሳብ እዚ እዋን’ዚ 19 ዓመታት ሓሊፉ ደሃዮም ኣይፍለጥን’ዩ።
ብዛዕባ’ቲ ኣብ ሽወደን ቀሪቡ ዘሎ ክሲ ብዝምልከት ተወሳኺ መብርሂ ክህበና፣ ሓው ንዳዊት ኢሳቕ፣ ኢሳይያስ ኢሳቕ ብቴሌፎን ኣዘራሪብናዮ ኣሎና። ኣብ ታሕቲ ጠውቑ።