ብምግሃስ መሰል ደቂንስትዮ እትንቀፍ ስዑዲ ዓረብ፣ ዋዕላ ደቂንስትዮ ተእንግድ ኣላ

Radio Erena: 22 October 2020

 

ስዑዲ ዓረብ፣ ዋዕላ ደቂንስትዮ ተእንግድ ኣላ።

እዚ ካብ 21 ክሳብ 24 ጥቅምቲ፣ ብመንገዲ ናይ ቪድዮ ኮንፈረንስ ዝካየድ ዘሎ፣ Women 20 ወይ (W20) ዝተሰምየ ዋዕላ፣ ኣብ ማዕርነት ደቂንስትዮን ተሳትፎአን ኣብ ምሕያል ቁጠባን ዘተኮረ’ዩ።

Women 20 ፣ ብጉጅለ 20 ዝፍለጣ ሃገራት፣ ካብ 2015 ኣትሒዘን ዘተኣታተውኦ ኮይኑ፣ ኣባለን ዝኾነት ስዑዲ ዓረብ ድማ ናይዚ ዓመት እዚ ዋዕላ ኣእንጋዲት ኮይና ኣላ።

ይኹን’ምበር፣ ፖለቲካዊ ነጣፊትን ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላትን ዝኮነት መንእሰይ ሉጃን ኣል ሓጥሉል እትርከበን ሓያሎ ደቂንስትዮ ዜጋታታት ሓይራ እትርከብ ስዑዲ ዓረብ፣ ዋዕላ ደቂንስትዮ ከተእንግድ ሞራላዊ ብቅዓት ከምዘይብላ ሁማን ራይትስ ዎች ዝርከቦም ሓያሎ ትካላት ተቓውሞኦም ኣስሚዖም።

ስዑዲ ዓረብ፣ መሰል ደቂንስትዮ ብምግሃስ ኣብ ቅድሚት ካብ ዝስራዕ ሃገራት ኮይና፣ ካብ 2015 ኣትሒዛ፣ ንደቂንስትዮ ከም ምምራሕ መኪናን ብዘይፍቓድ ወዲ ተባዕታይ ፓስፖርት ምውናንን ዝኣመሰለ መሰረታዊ መሰላት ፈቒዳትለን ትርከብ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0