Radio Erena: Monday, 10 July 2023
ኮማንዶ ኣባላት ሰራዊት ሶማል ብዘካየዶ መጥቃዕቲ፡ ብርክት ዝበለ ናይ ኣልሸባብ መዓስከራት ከም ዝተቖጻጸሩ ተሓቢሩ።
ኣብ ቱርኪ ከም ዝሰልጠኑ ዝንገረሎም ‘ጎሮር’ ዝተባህሉን ኮማንዶን፡ ኣብ ኣሜሪካ ምስልጣኖም ዝፍለጥ ፍሉያት ሓይልታት ‘ዳናብን’፣ ብረቡዕ 05 ሓምለ፣ ኣብ ማእከላይ ሶማል፣ ዞባ ጋልጋዱድ ብዘካየድዎ መጥቃዕቲ እዮም ነተን መዓከራት ካብ ዕጡቓት ኣልሸባብ ከምዝመንዝዑ ተገሊጹ።
ኣብቲ ግጭት፣ ኣስታት 40 ዕጡቓት ኣልሸባብ ከም ዝተቐትሉ፣ መንግስታውያን ምንጭታት ክሕብሩ እንከለዉ፡ብወገን ኣልሸባብ ዝተዋህበ መልሲ ግን የለን።
እቲ መጥቃዕቲ ምስ ምዱብ ሰራዊት ሶማል ብምትሕግጋዝ ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ኣካል ናይቲ መንግስቲ ሶማል ንኣልሸባብ ንምጽራግ ኣዊጅዎ ዘሎ ካልኣይ መድረኽ ወትሃደራዊ ወፍርታት ምዃኑ ይሕበር።
ሰራዊት ምክልኻል፣ ኮማንዶን ፍሉያት ሓይልታትን ዝርከብዎም፡ ከምኡ ድማ ናይ ኬንያን ኢትዮጵያን ሰራዊታት ዘጣመረ፣ ካልኣይ መድረኽ ወፍሪ ምጽራግ ኣልሸባብ ከም ዘበገሰን፡ መንግስቲ ሶማል ዝሓለፈ ሰሙን ብወግዒ ገሊጹ’ዩ።
======================
COMMENTS