ሶማልያ፡ ግጭት ፋርማጆን ሮብለን ሓደገኛ ኣንፈት ሒዙ

Radio Erena: 28 December 2021

ፕረዚደንት ሶማልያ መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ቀዳማይ ሚኒስተር መሓመድ ሑሴን ሮብለ ካብ ስርሑ ደው ክብል ድሕሪ ምእዛዝ ኣብ መንጎ ክልቲኦም መራሕቲ ምስሕሓብ ተፈጢሩ።

ክልቲኦም ስልጣን መን ሓዘ ነዊሕ ዝጸንሐ ምቅንቓን’ኳ እንተጸንሖም ቀዳማይ ሚኒስተር መሓመድ ሑሴን ሮብለ ኣብ ከባቢ ሞቓድሾ ዝርከብ ሰራዊት እታ ሃገር ዝጥቀመሉ መሬት ኣደናጊርካ ወሲድካ ተባሂሉ ክኽሰስ ጸኒሑ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሮብለ ብወገኑ፡ ፕረዚደንት ፋርማጆ ዕልዋ መንግስቲ ክገብር ይቀራረብ ከምዘሎ ብምኽሳስ ሰብ መዚ ጸጥታ ትእዛዝ ካብኡ ክወስዱ፡ ብፋርማጆ ዝወሃቦም መምርሒ ክነጽጉ ጸዊዑ ኣሎ።

እንተኾነ ወተሃደራት ፕረዚደንት ፋርማጆ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ሮብለ ናብ ቤት ጽሕፈቱ ከይኣቱ ከልኪሎሞ ብምህላዎም ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዝጀመረ ምስሕሓብ ናብ ዝሰፍሐ ክፋል እታ ሃገር ከይቅጽል ስግኣት ኣሎ።

===========

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0