ኣመሪካ፣ መንግስቲ ኤርትራ ንኣህጉራዊ ግዴታኡ ተቐቢሉ ንዜጋቱ ምምዝማዝ ደው ከብል ጸዊዓ

Radio Erena: 27 December 2021
ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ መንግስቲ ኤርትራ ንኣህጉራዊ ግዴታኡ ተቐቢሉ ንዜጋቱ ምምዝማዝ ደው ከብል ጸዊዓ።
ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ኣብ ማሕበራዊ ገጻቱ ኣብ ዝዘርገሖ መልእኽቲ፣ መንግስቲ ኤርትራ ምስግጋር ደቂ-ሰብ ደው ከብል፣ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከቋርጽን ብመልክዕ ምልሻ ህዝቢ ምዕጣቕ ደው ከብል ጸዊዑ።
ኣብ ኤርትራ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከምቲ ክእወጅ እንከሎ ዝተገልጸ ናብ 18 ኣዋርሕ ክምለስ፣ ኣመሪካ ብመንገዲ ኤምባሲኣ ጸዊዓ።
ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብወገኑ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘካይዶ ጸለመ መቐጸልታኡ’ዩ፣ ኤርትራ ከኣ ግዳይ ዝተወሃሃደ ምስግጋር ደቅሰብ እያ ክብል መሊሱ።
ከምዝፍለጥ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ዝርከቦም ኣካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ማሕበረሰብ ዓለምን፣ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ከምቲ ዝተመደበሉ ናብ 18 ኣዋርሕ ክምለስ፣ መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ዝፍጽሞ ዘሎ ዝተፈላለየ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ደው ከብል ብተደጋጋሚ ክጽውዑ ጸኒሖም እዮም።

=====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0