ስዑዲ ዓረብ 21 ኤርትራውያን ጠሪዛ

ስዑዲ ዓረብ 21 ኤርትራውያን ጠሪዛ

Radio Erena: 24 August 2015

Asmara airport

ስዑዲ ዓረብ 21 ኤርትራውያን መንእሰያት ከምዝጠረዘት ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

እቶም ብቀዳም 22 ነሓሰ ልክዕ ሰዓት 11:00 ካብ ከተማ ጀዳ ዝተጠረዙ ኤርትራውያን፣ ኣስመራ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ድሕሪ ምእታዎም፣ ብመንግስቲ ዝተዳለወ ፎርም መሊኦም ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተወሲዶም ኣለዉ።

እቶም ኤርትራውያን ካብ ስዑዲ ዓረብ ዝተጠረዝሉ ምኽንያት ናይ ቪዛ ጉዳይ’ዩ።

 

ናብ ኤርትራ ቅድሚ ምጥራዞም ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝጸንሑን፣ ደሃዮም ዝገበረ ኣካል መንግስቲ ይኹን ኤምባሲ ኤርትራ ከምዘይነበረ’ውን እቶም ምንጭታት ይጠቕሱ።

ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተፈልጠ ካልኦት’ውን ኤርትራውያን ብተመሳሳሊ ምኽንያት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ከምዝርከቡን ኣብ ዝቕጽል መዓልታት ክጥረዙ ተኽእሎ ከምዘሎን’ውን ኣረዲኦም።

መበዛሕቶም እዞም ስዑዲ ዓረብ ዝጠረዘቶም ኤርትራውያን፣ ብስግረ ዶባ ካብ ኤርትራ ዝወጹ ምስ ምዃኖም፣ ናብ ኤርትራ ድሕሪ ምምላሶም’ውን ማእሰርቲ ክጽበዮም ይኽእል’ዩ።
====================================

 

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0