ሽወደናዊት መንእሰይ ብምዕማጽ ዝተጠርጠሩ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም

ሽወደናዊት መንእሰይ ብምዕማጽ ዝተጠርጠሩ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም

Radio Erena: 24 August 2015

swedish Rape

22 ዓመት ንዝዕድሚኣ ሽወደናዊት መንእሰይ ብምዕማጽ ዝተጠርጠሩ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ተሓቢሩ።

ነቲ ዝሓለፈ ሰሙን ሉድቪካ ኣብ ዝተባህለት ሽወደን ከተማ ዘጋጠመ ፍጻሜ፣ ፖሊስ ተወሳኺ መርመራ ምጽራይን የካይደሉ ኣሎ።

ኣቐዲሙ’ውን ክልተ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ብቕትለት ሓንቲ ሽወደናዊት ኣደን ወዳ ተጠርጢሮም እኳ እንተነበሩ፣ ሓደ ካብኣቶም፣ ነቲ ቕትለት ከምዝፈጸሞ ባዕሉ ተኣሚኑ’ዩ።

 

እቲ35 ዓመት ዝዕድሚኡ ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ ነታ ኣደ ምስ ወዳ ብኻራ ወጊኡ ድሕሪ ምቕታሉ፣ ነብሱ ንምቕታል’ውን ከምዝፈተነ’ዩ ዝግለጽ።

እዚ ኤርትራውያን ኣብ ሽወደን ምስ ገበን ብዝተተሓሓዘ ፍጻሜታት ዝጥቐስሉ ዘለዉ ተደጋጋሚ ፍጻሜታት፣ ነቶም ኣብታ ሃገር ብስራሕን ጻዕርን ዝልለዩ ዝነበሩ ኤርትራውያን ሕማቕ ምስሊ የትሕዝ ምህላዉ ሓደ ሓደ ወገናት ይጠቕሱ።

ኣንጻር ስደተኛታት ሕሉፍ ጽልኢ ዘለዎም የመናውያን ሰልፍታት እታ ሃገር፣ ነቲ ብተደጋጋሚ ዝጥቐስ ዘሎ ናይ ገበን ፍጻሜታት ከም ኣብነት እናልዓሉ ይጉስጉስሉ ምህላዎም’ውን ማዕከናት ዜና እታ ሃገር የመልክታ

ብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ሽወደን ኣብ ካልኣይ ደረጃ’ዩ ዝስራዕ።

=========================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0