ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ልዕሊ ሽወደናዊት መንእሰይ ፈጺሞም ዝተባህለ ጾታዊ ዓመጽ፣ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ሕሉፍ ጽልኢ ብዘለዎም ሽወደናውያን ዝተጋወሓ ናይ ሓሶት ወረ ምዃኑ ተሓቢሩ

ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ልዕሊ ሽወደናዊት መንእሰይ ፈጺሞም ዝተባህለ ጾታዊ ዓመጽ፣ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ሕሉፍ ጽልኢ ብዘለዎም ሽወደናውያን ዝተጋወሓ ናይ ሓሶት ወረ ምዃኑ ተሓቢሩ

Radio Erena: 25 August 2015

swedish police

ኣብ ልዕሊ ሽወደናዊት መንእሰይ ብኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ተፈጺሙ ዝተባህለ ጾታዊ ዓመጽ፣ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ሕሊፍ ጽልኢ ብዘለዎም ሽወደናውያን ዝተጋወሐ ናይ ሓሶት ወረ’ዩ ክትብል ካብ ዞባ ካርልስታንድ ዝዝርጋሕ ማዕከን ዜና ሽወደን ሓቢራ።

ፖሊስ ሽወደን ነቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሉድቪካ ዝቀረበ ክሲ ከጸርይዎ ድሕሪ ምጽናሕ፣ እቲ ተፈጺሙ ዝተባህለ ገበን ሓሶት ምዃኑ ከምዘረጋገጹ’ውን እቲ ማዕከን ዜና ኣረዲኡ።

ምስዚ ክሲ ብዝተሓሓዝ 5 ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ተጠርጢሮም ምንባሮም ማዕከናት ዜና ሽወደን ክገልጻ ጸኒሐን’የን።

 

ብዝሒ ስደተኛታት ዘሻቕሎም ዘሎ ሕሉፍ የማናዊ መርገጺ ዘለዎም ሽወደናውያን፣ ኣብ ህዝቢ እታ ሃገር ስግኣት ንምፍጣር፣ ዘይተፈጸመ ገበን ምግውሖም ንባዕሉ ገበን ምዃኑ’ውን ሓያሎ ወገናት ይጠቕሱ።

ድሕሪ’ቲ ሓደ ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ ንሓንቲ ኣደን ወዳን ብኻራ ወጊኡ ምቕታሉ፣ ኣብ ሽወደን ጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታት ናብታ ሃገርን ክፈጥሮ ዝኽእል ስግኣትን ኣዘራራቢ ነጥቢ ኮይኑ ይርከብ።

=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0