Radio Erena: 12 April 2019
ኣብ ቃኘውን ካልእ መዓስከራትን ንዝርከቡ ስንኩላን ኵናት ተጋደልቲ ኤርትራ፣ ንዓኣቶም ዝተሃንጸ ኣባይቲ፣ ንእሙናት ኣገልግልቲ ህግደፍ ምዕዳሉ ዘሕደረሎም ቁጠዐ ብምረት ይገልጹ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።
እቶም ስንኩላን ኵናት፣ ቁጠዐታቶም ብምረት ዝገልጹ ዘለዉ፣ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሰሚናራትን ካልእ ኣኼባታትን‘ዩ።
ኣብ ከባቢ ኢንስቲትዩት ምድላው መምህራን ፣ ንስንኩላን ኵናት ተጋደልቲ ዝተሃንጸ ኣባይቲ ንእሙናት ንዝምልከቶም ገዲፉ ንዘይምልከቶም ከምዝተዓደለ ኣብ እዋኑ ብሬድዮ ኤረና ተቓሊሑ‘ዩ።
መንግስቲ ኣቐዲሙ ንስንኩላን ኵናት ተጋደልቲ ገዛውቲ ክሰርሓሎም ተመባጺዑ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ሚኒስተር ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነተን ዝነበረት ኣስካሉ መንቐርዮንስ ኣብ ዝተረኽብሉ፣ ድሙቕ ጽምብል እምነ መሰረት እኳ እንተተነብረሉ፣ እቲ ነፍሲ ወከፉ ክልተ መደቀሲ፣ ሓደ ሳሎን ክሽነ መስ መካበብያ ዝውንን ኣባይቲ ብቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ይወሃቦም ንዝተብሃሉ እሙናት ኣገልገልቲ ናይቲ ስርዓት‘ዩ ተዓዲሉ።
ነዚ ንስንኩላን ተባሂሉ ዝተሃንጸ ኣባይቲ ተረኪቦሞ ዘለውይ ኣገልገልቲ ህግደፍ፣ መብዛሕቶም ኣብ ጋዜጠኝነት፣ ስነ ጥበብን ቴክኒክን ዝሰርሑ ኣባላት ሚኒስትሪ ዜናን ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍን ‘ዮም።
ገለ ካብቶም ነዚ ኣብ ማይ ተመናይ ዝርከብ ኣባይቲ ተረኪቦሞ ዘለው እሙናት ኣገልግልቲ ህግደፍ፣ ምስቶም ኣብ ቓኘውን ካልእ ንስንኩላን ዘይምችእ መዓስከራትን ተዓቖቦም ተጋደልቲ ብምንጽጻር፣ ናይ መንበሪ ኣባይቲ ጸገም ዘይነበሮም ምዃኖም እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ይጠቕስ።
ን27 ዓመታት ጸገም መንበሪ ኣባይቲ ዜጋታት ከቓልል ዘይክኣለ መንግስቲ ኤርትራ፣ ንሰበስልጣናቱ፣ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ጸጥታን ካልኦት እሙናት ኣገልገልቱን፣ ተራ ህዝቢ ዝነብሮ ዝነበረ ኣባይቲ ብምምንዛዕ‘ውን ከምዘውረሶም ይፍለጥ።
ኣብ ርእሲ‘ዚ፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት፣ ብቦንድን ካልእን ክስርሓሎም ቅድሚ 10 ዓመታት ዝተኣትወሎም መብጽዓ፣ ክሳብ እዚ እዋን‘ዚ ኣየተግበረን።
እቲ መንግስቲ፣ ነቲ ብመሰረቱው፣ን ዋንነት ህዝቢ ክኽውን ዝነበሮ ጉዳይ መሬትን መንበሪ ኣባይቲን፣ ከም ፖለቲካዊ መሳርሒ ይጥቐመሉ ከምዘሎ‘ዩ ዝውቐስ።
ስእሊ፣– ኣርካይቭስ ኢንተርነት
======================
COMMENTS