ስልማት ኖቤል ዝተዓወት ናይጀርያዊ፣ ዎለ ሾይንካ ዝርከቦም 102 ደረስቲን ጋዜጠኛታትን ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናይ ጥርዓን ደብዳቤ ልኢኾም

Radio Erena: 11 June 2019

ኣብ 1986፣ ብስነ ጽሑፍ ስልማት ኖቤል ዝተዓወተ ናይጀርያዊ ደራሲ፣ ዎለ ሾይንካ ዝርከቦም 102 ደረስቲ፣ ጋዜጠኛታትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናይ ጥርዓንደብዳቤ ልኢኾም።

እቶም መብዛሕቶም ዜጋታት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝኾኑ ጸሓፍቲ፣ ጋዜጠኛታትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፣ ኣብቲ ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝልኣኽዎ ደብዳቤ፣ ህዝቢ ኤርትራ፣ ናብ ስደት ኣብ ዝውሕዘሉ ዘሎ እዋን ንዝሓልፎ ዘሎ መስገደል ኣብ ጎኑ ከምዘለዉ ብምርግጋጽ፣ ኣብ ካልኦት ሃገራት እዛ ኣህጉር’ውን ተመሳሳሊ ጸገም ስለዘሎ፣ ንምፍትሑ ብመንፈስ ሓድነት ህዝብታት ኣፍሪቃ ተሓጋጊዞም ክሰርሑ ጸዊዖም።

ምስ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ርክብን ሂብዎ ዘሎ ተስፋን ዘለዎም ደገፍ ብምግላጽ ዝጀመሩ እዞም ጸሓፍቲ፣ ጋዜጠኛታትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፣ ብዕጽውትን ንጽልትን ሃገር እትፍለጥ ኤርትራ፣ ለውጥታት ኣብ ምርኣይ ደንጉያ ከምዘላ ኣዘኻኺሮም።

ኤርትራ፣ ብደረጃ ኣህጉር ኣፍሪቃ ጥራይ ዘይኮነ፣ ብደረጃ ዓለም’ውን ናብ ዝልዓለ ክብሪ ንምስግጋራ፣ ብሓድነነት ክሰርሑ ዘለዎም ቅርቡነት ኣረጋጊጾም።

ንሳቶም ኣብ ደብዳቤኦም፣ ብፍሉይ ዘተኮርሉ፣ ኣብ ኩነታት ናይቶም፣ ኣብ ኤርትራ፣ ድሕሪ ምእሳሮም፣ ንሓያሎ ዓመታት ደሃይም ጠፊኡ ዘሎ ጋዜጠኛታት፣ ስለዘተሓሳሰቦም ምዃኑ ድማ ኣነጺሮም።

ኣብ መወዳእታ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ንወከልቲ ናይዚ ደብዳቤ ዝጸሓፉ ዜጋታት ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ናብ ኤርትራ ከብጽሑ ክዕድምን፣ ኣብዚ ጉዳያት እዚ ክዘራረቡን ከፍቕደሎም ዘለዎም ተስፋ ኣንቢሮም።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 4
  • comment-avatar
    Berhe Tensea 5 years ago

    Thank you writers/authors and journalists for your noble stand and support.

  • comment-avatar
    Berhe Tensea 5 years ago

    Thank you.

  • comment-avatar
    ሳርን 5 years ago

    ጉዳይ ኤርትራ ንኤርትራውያ ጥራይ እዩ ዝምልከት።
    እዞም መደብርቲ ድማ ተመዊሎም ካብ ምዕንዳር ብዛዕባ ህዝቦም እንተዝሕለቑ ምሓሾም።
    ጉዳይ ኤርትራ። ንኤርትራውያን ብኤርትራውን
    🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷

  • comment-avatar
    ብርሃነ 5 years ago

    መስሓቕ ነገርዩ እዚኣቶም ብመጀመርያ እቲ ኣብ ሃገራቶም ዘሎ ግዕዙይ ናይ ባርነትን ተለኣኣኽነትን ገዲፊም ብዛዕባ እቲ ድኻ ህዝቦም ካብ ሽግርን ውግእን ጥሜትን ከድሕንዎ ይፈትኑ ብዛዕባ ብዓይኖም ርኤሞ ዘይፈልጡ ሃገርን ህዝብን ክዛረቡ ስለዘይምልከቶም ሰማዒ የብሎምን