ሱዳን፣ ዓሰርተታት ናይ ፖለቲካ እሱራት ተፈቲሖም

ሱዳን፣ ዓሰርተታት ናይ ፖለቲካ እሱራት ተፈቲሖም

Radio Erena: 20 February 2018

sudan

መንግስቲ ሱዳን፣ ኣሲርዎም ዝጸንሐ ዓሰርተታት ናይ ፖለቲካ እሱራት ከምዝፈትሐ ሮይተርስ ካብ ከተማ ካርቱም ሓቢሩ።

እቶም ብሰንበት 18 ለካቲት ዝተፈትሑ እሱራት፣ መብዛሕቶም ኣብቲ ብሰንኪ ወሰኽ ዋጋታት ባኒን ካልእ ሃለኽቲ ነገራትን ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ ዝወደቡን ዝተሳተፉን ምዃኖም ይግለጽ።

መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር 80 ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑ ከምዝኣዘዘ የመልክት።

ፕረዚደንት በሽር፣ ኣቐዲሙ ንሓላፊ ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን እታ ሃገር ብኣተኣላልያ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ተቓውሞ ካብ ስልጣን ብምስጓግ ብኻልእ ከምዝተክኦ ይዝከር።

እቲ መንግስቲ ክሳብ ዝሓለፈ ሰሙን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝርከብዎም ሓያሎ ሰባት ምስ ፖለቲካ ብምትእስሳር ኣብ ቀይዲ ከእቱ ምጽንሑ ይፍለጥ።

=======================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0