ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ ኣኽሱም፣ ኣማኢት ሰለማውያን ሰባት ከምዝቐተለ ኣምነስት ኢንተርናሽናል ኣቓሊዑ

Radio Erena: 25 February 2021

ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር፣ ኣብ ኣኽሱም፣ ኣማኢት ሰለማውያን ሰባት ከምዝቐተለ፣ ኣምነስት ኢንተርናሽናል፣ ብ25 ለካቲት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣቃሊዑ።

እቲ ሰራዊት፣ ኣብታ ከተማ፣ ኣልማማ ደብዳብ ከምዘካየደ ዝጠቐሰእቲ ጸብጻብ፣ ሆስፒታላት፣ ማእከላት ሕክምና፣ ንግዳዊ ትካላትን መንበሪ ኣብያትን ኣብ ምቅጻልን ምዝማትን’ውን ከምዝተዋፈረ ኣመልኪቱ።

‘ኣብ ኣኽሱም ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለትን ካልእ ግፍዕታትን፣ ብናይ ኵናት ገበን ዘኽስስ’ዩ’ ዝበለ እቲ ኣህጉራዊ ተጣባቒ ሰብኣዊ ትካል፣ ሕቡራት ሃገራት፣ ነቲ ኣብታ ከተማን ካልእ ክፋል ትግራይን ዝተፈጸመ ገበናት ከጻሪ ሓቲቱ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ትግራይ፣ ጊጀት ኣብ ዝተባህለት ዓዲ ኣስታት 500 ህንጻታት፣ ኮነ ተባሂሉ ከምዝተቓጸለ ናይ ሳትላይት ኣሳእል ብምስናይ ጸብጻባት ይቐርብ ኣሎ።

ብመሰረት እቲ ዝቐረብ ዘሎ ጸብጻብ፣ እቲ ህንጻታት፣ ብደብዳብ ከቢድ ብረት ዝዓነወ ዘይኮነ፣ ብኣልማማ ዝተቓጸለ’ዩ።

ጊጀት፣ ኣብ ደቡባዊ ትግራይ እትርከብ ሓውሲ ከተማ’ያ።

ስእሊ- ኣርይቭስ ኢንተርነት

================

COMMENTS

WORDPRESS: 2
  • comment-avatar

    ናዕና ነሕዋቶም እንዳቐተሉ ኣሳዲዶምና ኣብ ስግር ከይዶን ርህሩሃት ዝኮነሉ ምክንያት የለን እዚኦም ክብሪ ውጹዕ ህዝብና ኣጋዲዶም በሊሎሞ እዮም

  • comment-avatar
    Takedu 3 years ago

    It would be great if you can post a link to your news sources.
    thankyou