Radio Erena: 10 October 2022
ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብወገን ራማን ዛላምበሳን፣ ልፍንታዊ መጥቃዕቲ ከምዝኸፈቱ፣ ማእከላይ ኮማንድ ሓይልታት ትግራይ፣ ብ10 ጥቅምቲ፣ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣመልኪቱ።
ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ዝሰገረ ሰራዊት፣ ኣብ ትግራይ ሓድሽ መጥቃዕቲ ንምኽፋት፣ ብመካይን ተጻዒኑ ናብ ዞባ ደቡብ ክወርድ ከምዝቐነ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።
ሓይልታት ትግራይ፣ ብምዕራብ ትግራይ፣ ክልላት ዓፈርን ኣምሓራን ከምኡ ድማ ሰሜን ሸዋን ንዝተፈነወ ተደጋጋሚ መጥቃዕታት ክምክቱ ከምዝጸንሑ እቲ መግለጺ የመልክት።
እቶም ሓይልታት፣ ኣብ ኩሉ’ቲ ግንባራት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከቢድ ክሳራታት ከምዘብጽሑ ብምጥቃስ፣ ምሩዃት ‘ዮም ናይ ዝበልዎም ኤርትራውያን ቃለ መጠይቅ ብቴሌቪዥን የመሓላልፉ ኣለዉ።
ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ብዛዕባ ዝወረድ ዕንወት ኮነ ህሉው ወትሃደራዊ ኩነታት ብዝምልከት ብናጻ ኣካል ክረጋገጽ ኣይከኣለን።
ብወገን መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን እንተኾነ ብዛዕባ’ቲ 46 መዓልታት ኣቑጺሩ ዘሎ ኵናት ዝተዋህበ መግለጺታት የለን።
ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
========================
COMMENTS