ጂቡቲ፣ ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቓዕቲ ብውሕዱ 7 ወትሃደራት መንግስቲ ተቐቲሎም

Radio Erena:10 October 2022

ኣብ ጂቡቲ፣ ዞባ ታጁራ፣ ዕጡቃት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ሸውዓተ ወትሃደራት መንግስቲ ከምዝተቐትሉ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር፣ ማሕሙድ ዓሊ ዮሱፍ ገሊጹ።

እቲ ሚኒስተር ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ‘ፍሩድ’ ዝተሰምየ ጉጅለ፣ ናብ 07 ጥቅምቲ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ፣ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር፣ ጋራብቲሳን ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ዓስኪሩ ንዝነበረ ሰራዊት ጂቡቲ መጥቓዕቲ ከምዝፈነወሉ’ዩ ኣመልኪቱ።

በቲ መጥቃዕቲ ሓያሎ ዝቖሰሉ ከምዘለዉ’ውን ጠቒሱ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ጂቡቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ብወገኑ፣ ብዘይካቶም ዝሞቱን ዝቖሰሉን፣ ናይ ሽዱሽተ ወትሃደራት ሃለዋት ክፍለጥ ከምዘይክኣለ ኣገንዚቡ።

እቲ ብግንባር ንዕቃበ ሓድነትን ደሞክራስሲን ጂቡቲ ወይ ‘ፍሩድ’ ዝፍለጥ ተቓዋሚ ጉጅለ ብወገኑ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዘይፈጸሞ ብምጥቓስ ንመግለጺ መንግስቲ ነጺግዎ።

ፍሩድ ካብ 1991 ኣትሒዙ ኣንጻር መንግስቲ ጂቡቲ ዝቓወም ዘሎ ሓይሊ’ዩ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0