Radio Erena: Thursday, 25 January 2024
ኣብ ጉዳይ ሉኣላውነት ሶማል፣ ዞባዊ ፖለቲካዊ ደገፍ ንምሕታት ዑደት ኣብ ምክያድ ዝርከብ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ናብ ቐጠር በጺሑ።
ድሕሪ‘ቲ ኢትዮጵያን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝኸተምኦ፣ ንዋንነት ባሕሪ ዝምልከት ናይ መረዳድኢ ሰነደ፣ ተቓውምኡ ብምግላጽ፣ ዑደቱ ብኤርትራ ዝጀመረ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ቀጺሉ ናብ ግብጺ‘ዩ ኣምሪሑ።
እቲ ፕረዚደንት ምስ ኣሚር ቀጠር፣ ሸኽ ሓማድ ቢን ታኒ ንምዝታይ ድማ‘ዩ ብ22 ጥሪ ናብ ቀጠር፣ ከተማ ዶሓ ኣትዩ።
ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፣ ኣብ ጉዳይ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝተመቓቐለ መርገጺታት ከምዘለወን‘ዩ ዝንገር።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ምስ ኢትዮጵያን መንግስቲ ናይታ ርእሰ ምምሕዳርን ብምዃን፣ ንወደብ በርበራ ብብርኪ ንምውናኑ መደብ ከምዝነበረ ይዝከር።
ሶማል፣ ምስታ ኣካላ ምዃና እትገልጻ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝካየድ ዝኾነ ናይ ወደብ ውዕላት፣ ንሉኣላውነታን ግዝኣታዊ ሓድነታን ከም ምጥሓስ ከምእትርእዮ‘ያ ተነጽር።
==========================
COMMENTS