መገዲ ኣየር ኤርትራ ናይ 73 ሚልዮን ዶላር ውህሉል ዕዳ ከምዘለዎ ተገሊጹ

Radio Erena: 09 June 2019

መገዲ ኣየር ኤርትራ ናይ 73 ሚልዮን ዶላር ውህሉል ዕዳ ከምዘለዎ ተገሊጹ።

ኣህጉራዊ ማሕበር መጎዓዝያ ነፈርቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ክሳብ ወርሒ መጋቢት 2019 ኣብ ዝነበረ ግዜ ጥራይ ኤርትራ፣ ብመገዲ ኣየር ንዝረኸበቶ 73 ሚልዮን ዶላር ናይ ኣገልግሎት ዋጋ ናብ ዝምልከተን ሃገራት ከምዘይለኣኸት ኣመልኪቱ።

ብመሰረት እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ፣ መገዲ ኣየራት ግብጺ፣ ቱርኪ፣ ዱባይን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ኤርትራ ናይ ዝተቖርጸ ትኬት ዋጋ ከምዘይተመልሰለን እዩ ዘመልክት። ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ከኣ ሃገራዊ ባንክ ኤርትራ ሕጽረት ናይ ወጻኢ ባጤራ ስለዘጋጠሞ’ዩ ክብሉ ምንጭታት ይጠቕሱ።

ከምዝፍለጥ መንገዲ ኣየራት ሉፍታንዛን ቐጠርን፣ ብተመሳሳሊ ምኽንያት ካብን ናብን ኣስመራ ጉዕዞአን ኣቋሪጸን’የን።

ን20 ዓመታት ኣቋሪጹ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2018 ዳግማይ ናብ ኣስመራ በረርኡ ዝጀመረ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብወገኑ፣ ዛጊት ሽዱሽተ ሚልዮን ዶላር ካብ ኤርትራ ዘይተመልሰ ገንዘብ ከምዘለዎ’ዩ ዘመልክት።

ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንማዕከናት ዜና ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ናብ ኤርትራ ዝገብሮ በረራ ከምዘየቋርጽን፣ እቲ ዘይተኸፍለ ገንዘብ ከኣ ግዚያዊ ሽግር ሙዃኑ ገሊጹ።

ኣህጉራዊ ማሕበር መጎዓዝያ ነፈርቲ ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዘካየዶ ዓመታዊ ዋዕልኡ፣ ናይ ዝተሸጠ ትኬት ዋጋ ዘይመለሳ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ዚምባብወ 192 ሚልዮን ዶላር፣ ሱዳን 84 ሚልዮን ዶላር፣ ኣልጀሪያ 80 ሚልዮን ዶላር፣ ኣንጎላ 7 ሚልዮን ዶላር፣ ከምኡ’ውን ኤርትራ 73 ሚልዮን ዶላር፣ ብሓፈሽኡ 413 ሚልዮን ዶላር ዘይተኸፍለ ዕዳ ከምዘለወን ኣፍሊጡ።

ኣቦ ወንበር ናይቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተጋበአ ማሕበር፣ ናብ’ዘን ውህሉል ዕዳ ዘለወን ሃገራት ምብጻሕ ብምክያድ ምስ መራሕተን ክዘራረብ ሙዃኑ ሓቢሩ።

ኤርትራ ብሰንኪ እትኽተሎ ዘላ ግዕዙይ ምሕደራ ፖለቲካን ቁጠባን፣ ካብ ዓለም ተነጺላ ኣብ ሕማቕ ደረጃ ከምዘላ በብእዋኑ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 3
  • comment-avatar
    Ibrahim mohammed 5 years ago

    ሃገረይ አሪትራ ገና ስርዓት ኢስያስዝም ከሎ ኣብዘይትወጾ ዓዘቅት ክትወድቅ ኢያ። ግና ልቢ ንበል ሎሚስ ኢስራኤላውያን ኪስዚ ኩሉ ተቃውሞን ታህድድን ሎሚ ሃገሮም ኣርሓ ልዕሊ ኩለን ኣህጉራት ኢያ ኮይና ዘላ ንሕና ግን ንዚ ሓደ ከም ሓሙስ በትኪ ሚዕላው ስእና ግና ልቢ ንበል

  • comment-avatar

    እዚ ዝባል ደሎ ዕዳ ኮነይ እልካ ዝተሰርሐ ኮይኑ ምናልባት እንተደኣ ወዲቑ ዕዳ ነታ ሃገር ገዲፍላ ክኸይድ እሉ እቲ እኩይ ስርዓት ዝማሃዞ ተንኮል ምዃኑ ንማንም ዘይጠፍኦ ሓቂ ዩ እምበር ቢሎናት ዶላር ኣብ ስዊዝ ኣቐሚጡ ነዚ ምኽፋል ሲእኑ ኣይኮነን ሓደ ሕቂ ግን ይራኣየና ኣሎ እቲ ስርዓት ሞይተ ኣለኹ እናበለና ምቕባሩ ኣቢና ምህላውና እዩ እቲ ዘሕዝን።

  • comment-avatar
    ኤፍረም 5 years ago

    ኣጀኩም ደክምና ከይ በልኩም ረብሓ ከየቀደምኩም ቓልስኩም የሐይሉ