“መንግስቲ ኤርትራ፣ ናይ ሰላም ሓይሊ’ዩ። ” ቀ/ሚ ኢትዮጵያ

Radio Erena: 28 July 2020

ኣብዚ እዋን’ዚ መንግስቲ ኤርትራ፣ ናይ ሰላም ሓይሊ’ዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ዝኾነ ዓለም፣ መንግስቲ ኤርትራ ንሰላምን ልምዓትን ከምዝሰርሕ ዝተፈልጠ’ዩ ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ ንዝሃቦ መግለጺ፣ ሓያሎ ኤርትራውያን ተቓዊሞሞ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ምስ ቴሌቪዥን ፋና፣ ብቋንቋ ትግርኛ ኣብ ዝገብሮ ቃለ መጠይቅ፣ ንህሉው ኩነታት ኢትዮጵያ፣ ክልል ትግራይን ምትእትታው መንግስቲ ኤርትራን ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ምላሽ’ዩ ነዚ ገሊጹ።

እንተኾነ፣ ንመንእሰያቱ ናይ ግዜ ገደብ ኣብ ዘይብሉ ግዱድ ወትሃደራዊ ዕስክርና ዝጸመደ፣ ብዘይሕግን ፍትሕን ኣሽሓት ዜጋታት ንዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ዘብለየ፣ ምርጫ ይኹን ተስፋ ደሞክራሲ ዘይብሉ ናይ ሓደ ሰብ ትካልን፣ ብብዝሒ ስደት ዜጋታቱ ዓለም ዘዛረበን መንግስቲ፣ ከም ናይ ሰላም ሓይሊ ክግለጽ ብዓይኒ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ጥራይ’ዩ ክብሉ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ተቓውሞታቶም የስምዑ ኣለዉ።

“ሰላም ኣብ ቤትካ’ዩ ዝጅምር” ዝበሉ ካልኦት ድማ፣ ኣብ ቤቱ ሰላም ዘይብሉ፣ ንዜጋታቱ ብምልኪን ራዕድን፣ ንኣስታት 30 ዓመታት ዝገዝአ መንግስቲ፣ ናይ ሰላም ሓይሊ ክብሃል፣ ዘስደምም ምዃኑ ጠቒሶም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ፣ ድሌቱ ራህዋን ሰላም ጎረቤት ህዝቢ ህዝቢ ኤርትራ ክርኢ ዘይኮነ፣ ንፕርዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምሕጓስ፣ ግዜያዊ ፖለቲካዊ ረብሓታቱ ንምኽሳብ ጥራይ ይጽዕር ከምዘሎ ዘጉልሐ መግለጺ ምዃኑ ዘመልከቱ’ውን ኣለዉ።

ኣብ ኢትዮጵያ ጥራይ ልዕሊ 120 ሽሕ ኤርትራዉን ስደተኛታት ከምዘለዉ ኣረጋጊጹ እናፈለጠ፣ ናይ ሰላም ሓይሊ ካብ ዝኾነ መንግስቲ፣ ክንድዚ ዝኣክል ብዝሒ ህዝቢ ስለምንታይ ተሰዲዱ? ክምልሶ ዝግባእ ሓቂ ምንባሩ’ውን የረድኡ።

=====================