Radio Erena: 10 December 2020
መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት፣ ብናጻ ኣካል ክጻረ ድሌት ከምዘይብሉ ገሊጹ።
ኣፈኛ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሬድዋን ሓሰን፣ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ እቲ መንግስቲ፣ ከጻርዮ ዓቕሚ ስኢኑ ሓገዝ ምስዝሓትት ጥራይ ናይ ወጻኢ ኣካል ክኣትዉ ከምዝፈቅድ ኣመልኪቱ።
ኣብ ክልል ትግራይ፣ ልዕሊ ሓደ ወርሑ ኣቑጺሩ ኣብ ዘሎ ውግእ፣ ሞት ኣሽሓት ሰለማዊያን ሰባትን ከቢድ ዕንወት ንብረትን ከምዝሰዓበ’ዩ ዝጥቀስ።
ይኹን’ምበር፣ ብናጻ ኣካል ክረጋገጽ ኣይከኣለን።
ሰራዊት መንግስቲ ኣብ ዝኣተወን ከተማታት ትግራይ፣ ካብ ጎረባብቲ ዓድታት ዝመጹ ህዝቢ፣ ብሚሊሻታት ተሓጊዞም ቅሉዕ ዝምታ ይፍጽሙ ከምዘለዉ’ውን ይግለጽ’ዩ።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ብዘይ ፍቓድ መንግስቲ ኣብ ትግራይ ይንቀሳቐስ ኔሩ ንዝበሎ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ተዅሲ ከምዝኸፈተ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተኣሚኑ።
ኣቶ ሬድዋን ሓሰን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ እቲ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ብተዅሲ ደው ድሕሪ ምባሉ፣ ንዝተወሰነ ሰዓታት ኣብ ቀይዲ ምጽንሑ’ውን ገሊጹ።
ወኪል ሕቡራት ሃገራት፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ መዓስከር ሽመልባ ዘሎ ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምዕዛብ ይጓዕዝ ከምዝነበረ’ዩ ተጠቒሱ።
===============
COMMENTS
1.ብዓለምለኻዊ ሕጊ መሰል ወዲሰብ ንክኽበር ካብ ዝዉሰን ነዊሕ ዓመታት ዬሕሊፉ፡ ንተግባራዊነቱ ዘገድድ ሕጊ እንተዘዬልዩ፡ እንታይ ዉሕስነት አለዎ ሰላማዊ ሰብ ዝከላኸለለይ ሕጊ አሎኒ ኢሉ እምነት ክሕድረሉ ዝኽእል?
2. ንኤሊታት፡ ንገበቲ ኮነ ማፍያታት ዓለም ዘገድድ ሓይሊ እንተዘይተመስሪቱ፡ ብደረጃ ዓለም ኮነ ሕቡራት መንግስታት፡ ከመይ ኢልካ ክትቆጻጸሮም ይከአል?
3. አብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከአ ክልል ትግራይ ዝግበር ዘሎ ግፍዕታት ብደረጃ ሳልሳይ አካል እንተዘይተጻርዩ፡ ከመይ ኢልካ ሓቂ ኩነታት ህዝቢ ክረጋገጽ ይከአል? ብዝኾነ ብዝምልከቶም አካላት እንተዘይኮይኑ ብካልእ ክምለስ ከምዘይከአል እኳ እንተተረዳእኩ ናባኹም ከሕልፎ ግን ብምዉሳን ብወገንኩም ክግበር ዝከአል ንኽትገብሩ እላቦ። ንተገዳስነትኩምን፡ ናይ ወዲሰብ ክብሪ ክሕሎ ንደገፍኩም ብምምስጋን ሕቶይን ርእይቶይን እድምድም፡ ዬቐንዬለይ።
ንስኻ ብወገንካ 27 ዓመታት ህውሓት ዘሰቃዮቶ ማዓስ ማዓልቲ ብዘይሻራውያን ተራእዩ ይፈልጥ? እቲ ዝገርም ኩሎም ዝሓለፉ መራሕቲ ኢትዮጵያ ጻዕዳ ዝበሉም ብቅጽበት ዝፍጽሙ ምንባሮም እዩ እዚ ሕጂ ዘሎ መራሒ ኢ