መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናብ ሳልሳይቲ ሃገር ክጣየሱ ዝተበገሱ ኤርትራውያን ናይ ዝኸልከሎም ብዝሒ ኣማኢት በጺሑ

Radio Erena: 06 January 2021

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብምጥያስ ይኹን ብምጥርናፍ ስድራቤታት፣ ናብ ኤውሮጳ፣ ኣመሪካ፣ ካናዳን ካልኦት ሃገራትን ዝተበገሱ ኤርትራውያን ቪዛ ካብ ዝኽልክሎም ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ይርከብ።

ብትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ብውልቂን ናብ ዝተፈላለየ ሃገራት ክጣየሱ ጉዳዮም ተወዲኡ፣ በረራ ጥራይ ክጽበዩ ዝጸንሑ ኣማኢት ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ መውጽኢ ቪዛ ተኸልኪሎም።

እዞም፣ ብመንገዲ IOMን ብውልቆምን ዝተበገሱ፣ ቆልዑን ደቂንስትዮን ዝበዝሖኦም ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ መውጽኢ ቪዛ ንምሕታት ናብ ክፍሊ ኢምግሬሽን ከይመጹ፣ ኣብ ዘለውዎ ክጸንሑ’ዩ ብቴሌፎን ዝንገሮም ዘሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነዞም ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከተማታትን ነዊሕ ዓመታት ዝተቐመጡን፣ ብትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ናይ ምጥያስ ዕድል ዝረኸቡን ገሊኦም ድማ ብምጥርናፍ ስድራቤታት ዝተበገሱን ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ከይወጽኡ ዝኽልክሎም ዘሎ ምኽንያት ኣይተፈልጠን።

ይኹን’ምበር፣ ምስ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራን ህወሓትን ርክብ ዝነበሮም ንምጽራይ ክኸውን ከምዝኽእል ኣቐዲሙ ግምታት ክወሃብ ጸኒሑ’ዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 2
  • comment-avatar

    Merhaba ezi agatimu zelo bnay mkwam kemzey kone tmali abti immegration dserhu ms kedna kidu aytrebshuna Iseasn abin zgeberwo eiu eilom melisemuna

  • comment-avatar
    zereit mengsteab 3 years ago

    የሕዋተይ ንሕና ኣብዚ ከና ካብ ንዛረብ
    ከድና ህዝብና ዘይነድሕን ክሳብ መዓስ እና
    ከምዚ እልና ኪንነብር መዋእልና ምሉእ ህዝብና
    ከምዚ ከኑ ክንብል ኣብዚ ስደት ከና ኣክልና
    ሃገር ከምዘይ ብልና ከና በቃ ሓብርና ዘይ
    ተሰማኣምዕና ዘይንምለስ ንዚ ጨካኒ ስርዓት
    ዘይነዉርዶ ካብቶም ንሃገሮም እሎም ዝጠፍኡ
    ኮ ንሕና ንጠፍ ዘለና በዚሕና ኣምንቲ ምንታይ
    እዩ እዚ ኩሉ እቶም ስዉኣትና ንሃገር ኪብሉ
    ሓሊፎም ግን ወልሓንቲ ለዉጢ ኣይርኣና ዕሸላት
    ህጻዉንቲ እጠፍኡ ኣለዉ ህዝብና ብከመይ
    መንገዲ ኪነድሕኖ ኣብ ሓደ ንጠርነፍ እሞ
    ሓብርና ንመለስ ከምዚ ዘለናዮ እንተ ከኑ
    ከምዚ ስራኤላዋን ንነበርዎ ከይ ከና ኣይንተርፍን እና