መንግስቲ ሱዳን ምእሳር ሓለፍቲ ተቓወምቲ ውድባት ይቕጽል

መንግስቲ ሱዳን ምእሳር ሓለፍቲ ተቓወምቲ ውድባት ይቕጽል

Radio Erena: 18 February 2018

arrestaprotesterመንግስቲ ሱዳን ምእሳር ሓለፍቲ ተቓወምቲ ውድባት ይቕጽሎ ከምዘሎ፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት፣ ህዝቢ ክለዓዓልን ሰላማዊ ሰልፊ ከካዪድን ጎስጒስኩም ብምባል ተጣባቒት መሰላት ናጂላ መሓመድ ዓሊ እትርከቦም ሓያሎ ፖለቲከኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ይግለጽ።

ካልኦት ኣባላት ሰልፊ ኡማ ዝርከብዎም እውን ንሰለስተ ተኸታታሊ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣዳሊኹም ብምባል ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ሱዳን ከካብ ዝተረኽቡዎ ወሲዶም ቀዪዶሞም ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

ፓርላማ ሕብረት ኤውሮጳን፣ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ኤውሮጳውያን ዲፕሎማሰኛታትን፣ ነዚ መንግስቲ ሱዳን ዝወስዶ ዘሎ ተቓወምቲ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ደው ከብሎ ጸዊዖም ኣለዉ።

ፓርላማ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ መግለጺኡ፣ እቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡ ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት፣ ናብ ፍርዲ ክቐርቡ እንተዘይኮኑ ግና ብቕጽበት ናጻ ክወጹ ይግባእ ድሕሪ ምባል፣ ብዘይክስን ፍርድን ንዘይተወሰነ ግዜ ምቕያዶም ከምዘተሓሳሰቦ ይገልጽ።

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0