መንግስቲ ኢትዮጵያ ዳግማይ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ኣውጺኡ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዳግማይ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ኣውጺኡ

Radio Erena: 18 February 2018

eth_state emrgencyመንግስቲ ኢትዮጵያ ዳግማይ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ኣውጺኡ።

እዚ ንምርካብ ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተር’ታ ሃገር ሓደ መዓልቲ ስዒቡ ዝወጸ ኣዋጅ፣ ንህዝቢ ካብ ዝተነግረሉ መዓልቲ ኣትሒዙ ግብራዊ ከምዝኸውን፣ መንግስቲ’ታ ሃገር ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀንዲ ምኽንያት ነዚ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ከውጽእ ዝተገደደሉ ምኽንያት፣ ኣብታ ሃገር ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እንዳተጎሃሃረ ዝመጽእ ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ ንምቁጽጻርን፣ ድሕነት ትካላትን ህዝብን ንምሕላውን ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ስልጣኑ ብገዛእ ፍቓዱ ከረክብ ኣብ ዝሓተተሉ ንጽባሒቱ፣ ሚኒስተር ምክልኻል’ታ ሃገር ስራጅ ፈጌሳ ነቲ መንግስቲ ተቖጻጺሩዎ ዝተባህለ ዜና፣ ናይ ኣሉታ መልሲ ድሕሪ ምሃብ፣ እቲ ሚኒስተር ምክልኻል፣ ኣባላት ጸጥታ ግና ኣብ ልዕሊ’ቶም ሃገር የናውጹ ኣለዉ ዝበሎም ኣድመኛታት ስጉምቲ ክወስዱ ትእዛዝ ተመሓላሊፉሎም ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣዊጁዎ ዘሎ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ከምዘይትሰማማዓሉ ብመንገዲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኤምባሲኣ ኣቢላ ኣፍሊጣ።

እቲ ኤምባሲ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ወተሃደራዊ ሕጊ ምትእትታው ግጉይ ስጉምቲ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፣ ተራእዩ ንዝነበረ ንእሱራት ምሕረት ምግባር ዝኣመሰለ ጽቡቕ ተስፋ ንድሕሪት ዝጎስስ እዩ ክብል ቅሬትኡ ገሊጹ።

እቲ ኤምባሲ ብተወሳኺ፣ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙዋ ዘሎ ብድሆታት ደሞክራስያዊ ጽገና፣ ቁጠባዊ ምዕባለ፣ ሰላምን ምርግጋእን፣ ንኩሎም ወገናት ዝሓቁፍ ባይታ ብምፍጣር ብቐጥታ መፍትሒ ምድላይ ደኣምበር፣ ናብ ወተሃደራዊ ሕጊ ብምውራድ ኣይኮነን ኢሉ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ተወሊዑ ብዘሎ ሕንፍሽፍሽ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ኤርትራውያን ብቐጥታ ጸልዩዎም ብምህላዉ ሻቕሎት ዝፈጥር’ዩ ክብሉ ገለ ኤርትራውያን ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃብዎ ቃል ይገልጹ።

እዚ ናይ ሞት ሓደጋ’ውን ዘስዕብ ዘሎ ኩነታት ክሳብ ዝሃድእ ብፍላይ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝያዳ ጥንቃቐ ክገብሩ እቶም ዜጋታት ይምሕጸኑ።

====================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0