ሊብያ፣ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራን ሶማልን ምዃኖም ዝተገልጹ 19 ሰባት ብሓደጋ መኪና ሞይቶም

ሊብያ፣ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራን ሶማልን ምዃኖም ዝተገልጹ 19 ሰባት ብሓደጋ መኪና ሞይቶም

Radio Erena: 16 February 2018

libya

ኣብ ሊብያ፣ ከባቢ ከተማ ባኒ ወሊድ፣ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራን ሶማልን ዝኾኑ ኣስታት 300 ስደተኛታት ጽዒና እትጓዓዝ ዝነበረት ዓባይ መኪና ብምግምጣላ፣ ብውሕዱ 19 ሰባት ከምዝሞቱ ንሰራሕተኛታት ሆስፒታል ብምጥቃስ ወኪል ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ካብ ጠራብሎስ ሓቢሩ።

ሓደ ካብቶም ግዳያት ቆልዓ ምዃኑ ኣካያዲ ስራሕ ሆስፒታል እታ ከተማ ኣልሕ ኣል ማብሩክ ነቲ ኣገልግሎት ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ።

ኣብቲ ብሮቡዕ 14 ለካቲት ዘጋጠመ ሓደጋ፣ 124 ስደተኛታት ብኸቢድን ፎኵስን ቆሲሎም ኣብቲ ሆስፒታል ተዓቝቦም ኣለዉ።

ካብ ጠራብሎስ 170 ኪሎሜተር ንደቡባዊ ምብራቕ ርሒቓ እትርከብ ባኒ ወልዲ፣ ሓንቲ ካብተን ካብ ሱዳን ዝተበገሱ ስደተኛታት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ናብ ማእከላይ ባሕሪ ቅድሚ ምብጋሶም ዝዓርፉለን ከተማታት ሊብያ’ያ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0