መንግስቲ ሱዳን፣ 15 ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ የእትዩ

መንግስቲ ሱዳን፣ 15 ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ የእትዩ

Radio Erena: 10 September 2017

sudan deporመንግስቲ ሱዳን፣ ዶብ ጥሒሶም ክኣትዉ ተታሒዞም ዝበሎም 15 ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወ ምንጭታት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢሮም።

እቶም ብሓለዋ ዶብ ሱዳን ዝተታሕዙ ኤርትራውያን ኣብ ከሰላ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ተቐዪዶም ከምዘለዉን ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ምዃኖምን እቲ ሓበሬታ የመልክት።

መንግስቲ ሱዳን ሕብረት ኤውሮጳ ብልምዓትን ምዕባለን ምስምስ ብኣማኢት ሚልዮናት ዝቑጸር ዩሮ ሓገዝ ዝረኸበሉ ቀንዲ ዕላምኡ ሱዳን ቀንዲ መተሓላለፊት ናብ ኤውሮጳ ንኽኣትዉ ዝፍትኑ ስደተኛታት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኮይና ስለዘላ፣ ዶባታ ንምቁጽጻር ዝዓለመ ምዃኑ በብእዋኑ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ንምሕደራ ስደተኛታት ምምሕያሽ ብዝብል እውን ሕብረት ኤውሮጳ ናይ 40 ሚልዮን ዩሮ ንሱዳን ሓገዝ ከምዝሃበ ይፍለጥ።

ነዚ ኣብ መንጎ ሕብረት ኤውሮጳን ሱዳንን ዝተኣትወ ውዕል ንምትግባር መንግስቲ ሱዳን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ምጥራዝ ብሰፊሑ ተተሓሒዙዎ ይርከብ።

ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ መንግስቲ ሱዳን ናብ ሃገሮም ዝጥርዞም ዘሎ ኤርትራውያን ስደተኛታት ግቡእ ናይ ስደተኛ መስርሕ ዘይሓለፉ’ዮም ክብል ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘለዎ ሻቕሎት ምግላጹ ይዝከር።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ ጥራይ መንግስቲ ሱዳን ‘’ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ሱዳን ኣቲኹም’’ ብምባል ን104 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክጥርዞም እንከሎ ካልኦት ሓያሎ ከኣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ ይርከብ።

መንግስቲ ሱዳን፣ እቶም ኤርትራውያን ጉዳዮም ብተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከይተጻረየ ናብ ሃገሮም ከምዝምለሱ ምግባሩ፣ ንኣህጉራዊ ውዕል ስደተኛታት ዝጥሕስ’ዩ ክብል ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር. ምኽሳሱ ዝዝከር’ዩ።

======================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0