‘’መንግስቲ ሱዳንን ቀንዲ ተቓዋሚኡ ኤስ.ፒ.ኤል.ኤም.ኤን ዝጀመሩዎ ዘተ ሰላም ጽቡቕ ክግስግስ፣ ተበግሶ ክልቲኦም ወገናት የድሊ’’ ው.ሕ.ሃ.

Radio Erena: 30 May 2021

ኣብ መንጎ መንግስቲ ሱዳንን ቀንዲ ተቓዋሚኡ ኤስ.ፒ.ኤል.ኤም.ኤን ዝተጀመረ ዘተ ሰላም ጽቡቕ ክግስግስ፣ ድሌት ኩሎም ወገናት ከምዘድሊ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ብመንጎኝነት ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ከተማ ጁባ ዝተጀመረ ዘተ ሰላም፣ ብወገን መንግስቲ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃንን፣ ዓብደላ ሓምዶክን፣ ብወገን ኤስ.ፒ.ኤል.ኤም.ኤን ከኣ መራሒ’ቲ ውድብ ዓብደልዓዚዝ ኣልሒሉ ተረኺቦም ኔሮም።
ክልቲኦም ወገናት ዘለዎም ቅሩብነት ኣብ ዝገለጹሉ እዋን፣ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ማያርዲት ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ካብ ኲናት ብዘይካ ሞትን ዕንወትን ካልእ ዝርከብ ከምዘየለ ኣሚኖም ናብ መኣዲ ዘተ ምቕራቦም ኣመስጊኑ።
ፍሉይ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ዞባ ዶናልድ ቡዝ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ክልቲኦም ወገናት ናብ መኣዲ ዘተ ምቕራብ ጥራይ ዘይኮነ፣ ንሰላም ዘለዎም ተወፋይነት ብተግባር ከርእዩ ትጽቢት ከምዝገበረሎም ኣዘኻኺሩ።
እቲ ብኣልሒሉ ዝምራሕ ተቓዋሚ ሓይሊ፣ ኣብ ሱዳን እቲ ዝዓበየ ኮይኑ፣ ኣብ ዞባታት ብሉ ናይልን ደቡብ ኮርዶፋንን ሰፊሕ መሬት ሒዙ ይርከብ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0