ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ዝተኻየደ ኣልማማ ግፋ ከምዘተሓሳሰቦ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ

Radio Erena: 30 May 2021

ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ዝተኻየደ ኣልማማ ግፋ ከምዘተሓሳሰቦ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።
ኣወሃሃዲት መደብ’ቲ ውድብ ኣብ ኢትዮጵያ ካትሪን ሶዚ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፣ ኣብ ከተማ ሽረ ኣብ ክልተ ካብ ቤት ንብረቶም ዝተመዛበሉ ተዓቚቦምሉ ዝነበሩ መጽለሊ፣ ብዕለት 24 ግንቦት ዝተJኣየደ ግፋን መግረፍትን፣ ከምዘተሓሳሰባ ገሊጻ።
እቶም ኣብ ልዕሊ ክልተ ግዚያዊ መጽለሊ መዓስከራት ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ተመዛበልቲ ግፋ ኣካዪዶም ዝተባህሉ ዕጡቓት፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ወይ ኤርትራ ንምዃኖም ኣይተነጸረን።
ካተሪን ሶዚ ኣብ መግለጺኣ፣ እቶም ብኣልማማ ተገፊፎም ዝተወስዱ ልዕሊ 200 ተመዛበልቲ፣ ብዘይቅድመ ኩነት ክፍትሑ ጸዊዓ።
ብገበን ዝኽሰሱ እውን እንተኾኑ፣ ግቡእ መስርሕ ሕግን ፍርዲን ክወሃቦም ዝጠለበት እታ ወኪል ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅጽበታዊ ምላሽ ክህብ ጸዊዓ።
እንተኾነ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ እዚ ዜና ናብ ስቱድዮ ክሳብ ዝኣተወሉ ሰዓት ዝኾነ ምላሽ ኣይተዋህበን።
እዚ ብወኪል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቐርብ ዘሎ ጥርዓን፣ ሓደ መዓልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ህወሓት 22 ኣመሓደርቲ ትግራይ ነበር ቀቲሉ ክብል ድሕሪ ዘቕረቦ ክሲ እዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0