መንደፈራ፣ ካብ ግፋ ክሃድም ዝፈተነ መንእሰያት ብጥይት ተቐቲሉ

Radio Erena: 09 February 2020

ኣብ መንደፈራ፣ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ብ4 ለካቲት፣ ካብ ግፋ ክሃድም ዝፈተነ ወዲ 26 ዓመት መንእሰያት ብዝተተኮሰሉ ብጥይት ተቐቲሉ።

እቲ ወዲ ስዉእ ተጋዳላይ ምዃኑ ዝተገልጸ መንእሰያ ሸዊት ያቖብ፣ ክሳብ 11 ክፍሊ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆ መንደፈራ ዝተማህረ ኮይኑ ኣብ 2011/2012 ናብ ሳዋ ዝወረደ ኣባል 25 ዙርያ’ዩ።

እንተኾነ፣ ስንክልቲ ተጋዳሊት ወላዲቱን ምንኣስ ሓውን፣ ኣብ ሕማቕ ኩነታት መነባብሮ ስለዝርከቡ፣ ንምሕጋዞም ነቲ ዝተመደበሉ፣ ኣብ ዓሰብ ዝርከብ ኣሃዱ ሓይሊ ባሕሪ ጠንጢኑ፣ ኣብ ስራሕ ፋግሮ ተዋፊሩ ስድርኡ ክሕግዝ ከምዝጸንሐ፣ ዳይረክተር ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ወ/ሮ ኤልሳ ጭሩም ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ ገሊጻ።

ወ/ር ኤልሳ ጭሩም ኣብ ዝሃበቶ ተወሳኺ መብርሂ፣ መንእሰይ ሸዊት፣ ብ4 ለካቲት፣ ኣብ ሰዓታት ናይ ምሸት፣ ኣብ መንደፈራ ካብ እትርከብ እንዳ ኢንተርነት ምስ ካልኣይ’ዩ ኣብ ዝወጽእሉ ዝነበሩ ግዜ፣ ብሰራዊት ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ግፋ ድሕሪ ምትሕዞም፣ ክሃድም ኣብ ዝፈተነሉ እዋን’ዩ ብዝተተኮሰሉ ጥይት ተቐቲሉ።

ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ክነሱ፣ ካብ ኣሃድኡ ካብ “ዝኹብልል” ልዕሊ 3 ወርሒ ስለዝገበረ፣ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ከይቅበር ዝኸልከሎ እቲ መንእሰያት፣ ብሓሙስ 6 ለካቲት፣ ፍርቂ መዓልቲ፣ ኣብ ዓዱ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ።

ስእሊ፣- ካብ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Berhane Haile 4 years ago

    ካብዚ ዝዓቢ ግፍዒ ይህሉሶ? ንህዝቡ ዘይከውን ፋሺስታዊ ስርዓት። ወላ እንተ ሃደመ ናብ እግሩ ክትኵሱ ይኽእሉ ነይሮምንድዮም! ኣረሜናዊ ስርዓት ክሕምሸሽ ጥራይ እዩ ዘለዎ።