መስመር ኦምሓጀር – ሑመራ ተዓጽዩ: ኣብ ጋሽ ባርካ ጽዑቕ ተፍትሽን ግፋን ይካየድ

Radio Erena: 18 April 2019

ንኤርትራን ኢትዮጵያን ከራኽብ ተኸፊቱ ዝጸንሐ መስመር ኦምሓጀር ሑመራ ብወገን ኤርትራ ከምዝተዓጽወ ተሓቢሩ።

ምስ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝተጀመረ ርክብ፣ ንንግዳዊ ልውውጥን ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስን ክፉት ኮይኑ ዝጸንሐ መስመር ኦምሓጀር- ሑመራ፣ ካብ ዝሓለፈ ክልተ ወርሒ ኣትሒዙ፣ ንኢትዮጵያውያን ነጋዶ እንተዘይኮይኑ ንኤርትራውያን ተኸልኪሉ’ዩ ኔሩ።

ካብ 18 ሚያዝያ እትሒዙ ድማ፣ ካብ ኢትዮጵያ ንዝኣትዋ ይኹና ካብ ኤርትራ ንዝወጻ ናይ ንግዲ መካይን ዕጹው ኮይኑ ኣሎ።

ምዕጻው እዚ መስመር፣ ከምቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ምዕጻው መስመራት፣ ሰርሓ- ዛላምበሳ ከምኡ ድማ ክሳድ ዒቓ- ራማ፣ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ መግለጺ ኣይተዋህበሉን።

እንተኾነ፣ ብዶባት ኢትዮጵያን ሱዳንን፣ ክመጽእ ካብ ዝኽእል ናይ ጸጥታ፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ናይ ወጻኢ ባጤራታትን ካልእን ንምቑጽጻር ዝዓለመ’ዩ እናተባህለ ይዝርከቡ ኣሎ።

መስመር ኦምሓጀር-ሑመራ ከምዝተዓጽወ ዝንገር ዘሎ፣ ኣብዚ ቅንያት እዚ ኣብ ማእቶት ዝጸንሐ ሰራዊት ኤርትራ፣ ብብዝሒ ናብ ዞባ ጋሽ ባርካ ኣብ ዝውሕዘሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ሰራዊት ኤርትር ናብዚ ዞባ ዝጓረት ዘሎ፣ ብወገን ሱዳን ዘሎ ኩነታት ኣብ ምዕራባዊ ሸነኽ ኤርትራ ጽልዋ ከይህልዎ ካብ ዝብል ስግኣት ምዃኑ፣ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣቐዲሞም ኣብ ዝልኣኽዎ ሓበሬታ ጠቒሶም’ዮም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ጋሽ ባርካን ካልእ ዞባታትን ጽዑቕ ግፋታት ይካየድ ከምዘሎ ተፈሊጡ።
=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 3
  • comment-avatar

    እቲ ግምታት ጽቡቕን ተኽእሎ ዘለዎን ኢዩ፡፡ በቲ ካልእ ሸነኻቱ ምርኣዩ ውን ኣገዳሲ ኢዩ፡፡መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓደስቲ ሰባት ኣብ ኣገዳሲ ስልጣን ኣምጺኡ ኣሎ፡፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብቲ ኣቢ ኣብ ስልጣን ምምጻእ ዝተገብረ ስርሒት ቀንዲ ሃንደስቲ ኢዮም፡፡ስለዚ ምስቲ መንግስቲ ኤርትራ ድገብሮ ድደልሎ “ወያነ ብሓይሊ ክትእለ ኣአዋ ድብል ጎስጓስ ሪኢኻ ንዓዓ ንምህራም ክኸውን ይኽእል ኢዩ፡፡

  • comment-avatar
    ዳኒኤል 5 years ago

    እዚ እኮ ሓድሽ ኣይኮነን መስለኒ።
    እታ ሃግ

  • comment-avatar
    ዳኒኤል 5 years ago

    እዚ እኮ ሓድሽ ኣይኮነን መስለኒ።
    እታ ሃግ ናይ ዉልቀ ሰባት ክሳብ ዝኾነት ድሌቶም ክገብርዋ ንሕና ካኣ ክንዕዘብ ግድን ኢዩ።