መራሕቲ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ሶማልያ፣ ኡጋንዳን ኬንያን ኣብ ምምራቕ “ፓርክ ሓድነት” ኢትዮጵያ ተሳቲፎም

Radio Erena: 11 October 2019

መራሕቲ ሱዳን፣ ድቡብ ሱዳን፣ ሶማልያ፣ ኡጋንዳን ኬንያን፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብዝገበረሎም ዕድመ መሰረት ኢትዮጵያ ኣትዮም።

እቶም መራሕቲ፣ ብ10 ጥቅምቲ ኣብ ዝተኻየደ ምምራቕ “ፓርክ ሓድነት” ንምስታፍ ናብታ ሃገር እኳ እንተኣተዉ፣ ጎኒ ጎኑ ‘ውን ኣብ ህሉው ኩነታት ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ከምዝዘተዩ ተሓቢሩ።

መራሕቲ ኤርትራን ጅቡቲ’ውን ኣብቲ ኣጋጣሚ ክሳተፉ ዕድመ እኳ እንተቐረበሎም፣ ክርከቡ ኣይከኣሉን።

ፓርክ ሓድነት፣ ብሓገዝ ሕቡራት ኢማራት፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ቀጽሪ ቤተ መንግስቲ፣ ዝተደኮነ’ዩ።

ቤት መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ 130 ዓመት ዕድመ ዘለዎ ኮይኑ፣ እዚ ኣብ ቀጽሩ ተደኵኑ ዘሎ ፓርክ ሓድነት ድማ 40 ሄክታር ዝሸፈነ ልሙዕ ቦታ፣ ታሪኻዊን ባህላዊን ንብረታት እቲ ቤተ መንግስትን መካነ እንስሳን ዘጠቓለለ’ዩ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    Redyo erena hasewti