ሕብረት ኤውሮጳ፣ ንኤርትራ መዲብዎ ዘሎ 121 ሚልዮን ኤውሮ ልምዓታዊ ሓገዝ ክስርዝ ከምዝኽእል ተገሊጹ

Radio Erena: 30 April 2021

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ንኤርትራ መዲብዎ ዘሎ ናይ 121 ሚልዮን ኤውሮ ልምዓታዊ ሓገዝ ክስርዞ ከምዝኽእል ራድዮ ፈረንሳ ኢንተርናሽናል ኣሚታ።

እታ ብቋንቋ ፈረንሳ እትቃላሕ ራድዮ፣ ንኣፈኛ ኮሚሽን ሕብረት ኤውሮጳ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረብቶ ዜና፣ ኣባላት ሃገራት ናይቲ ሕብረት፣ ደገፈን እንተሂበናሉ፣ እቲ ካብ 2018 ኣትሒዙ ዝተበገሰ ምስ ኤርትራ ኣብ ልምዓታዊ መደባት ምትሕግጋዝ ዝብል መደብ ብወግዒ ደው ክብል’ዩ።

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ንኤርትራ ዝመደቦ ልምዓታው ሓገዝ ደው ከብል ከምዝኽእል ዝገልጸሉ ዘሎ ምኽንያት፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣቐዲሞም ንዝተጀመሩ ፕሮጀክታት ይዕንቅፍን ኣብ ትግራይ ዝርከብ ሰራዊቱ ድማ ምስሓብ ሓንጊዱን ብምህላዉ’ዩ።

እቲ ሕብረት፣ ኣብ ኤርትራ ትሽዓተ ዓበይቲ ናይ ልምዓት መደባት ንምምዋል፣ 121 ሚልዮን ኤውሮ ሰሊዑ ኔሩ።

ኣብቲ እዋን’ቲ ሓያሎ ኣባላት ፓርላማ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ብከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ንዝኽሰስ መንግስቲ ኤርትራ፣ ሓገዝ ክግበረሉ ከምዘይብሉ ተቓዊሞም’ዮም።

እንተኾነ፣ እቲ ሕብረት ንገለ ክፋል ናይቲ ንወደብ ዓሰብ ምስ ኢትዮጵያ ንምርኻብ ክህነጽ ዝተወሰነ ናይ ቅጥራን ጽርግያ ንምምዋል ዝመደቦ ኣስታት 20 ሚልዮን ኤውሮ ሓገዝ ጥራይ ብምስራዝ እቲ ካልእ ክቕጽል’ዩ ወሲኑ።

እቲ ሓገዝ ኣብቲ እዋን’ቲ ንሱዳን ከምዝተዋህበ ኣይርሳዕን።

እዚ ሕጂ ክስረዝ ይኽእል’ዩ ዝብሃል ዘሎ ናይ 121 ሚልዮን ኤውሮ ሓገዝ ድማ 62 ሚልዮን ኤውሮ ንመሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን፣ 18 ሚልዮን ኤውሮ ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ ስደተኛታት፣ 20 ሚልዮን ኤውሮ ንደቡብ ሱዳን፣ 20 ሚልዮን ኤውሮ ድማ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንጉዳይ ስደተኛታት ክውዕል ሕብረት ኤውሮጳ ከሰጋግሮ ከምዝኽእል ተጠቒሱ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Angeb 3 years ago

    ኤርትራ ምልማን ቅድሚ 20 እያ ገዲፋቶ ስለዚ ንዓና ኤርትራውያን ኣንግረመሉን አና